ኣብ ዞባ
ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝርከብ ካምፓኒ ቻይና ብሓለዋ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ዕሉላት ካድረታትን ኣባላትን ስርዓት
ወያነ። ነቲ ብዉክልና ክሕልዉዎ ዝተረከብዎ ዋጋ ከዉፅእ ዝኽእል ኣገዳሲ ንብረታት እናመረፁ ምስ ገለ ነጋዶ ተመሻጥሮም።
ዝተወሃቦም ሓደራ ንጎኒ ገዲፎም ብመንገዲ ክሕደት ብለይቲ
እናውፅኡ ብምሻጥ ዝኣኽሎም ገንዘብ ምስ ኣከቡ ብነባሪ
ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከም ዝተሰረቐ ኣምሲሎም ብምፅላም። ብሰንኮም 11 ሰባት ብፖሊስ ተኣሲሮም ከቢድ ምፅራይ እናተበረሎም ከም
ዝርከብ ንምፋላጥ ተኻኢሉ።
ካብ’ቶም
11 ምንም ዝፈፀምዎ ገለ ካብ ዘይብሎም ንፁሃት ዜጋታት ዉሽጢ ንምጥቃስ።
·
* ሰጉም ተስፋይ
* ሙሉጌታ ግርማይን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም
ኮይኖም። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ምፅራይ መርመርትን ባዕሎም እቶም ክሰርቁ ዝፀንሑ ካድረታትን ተሓባቢሮም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን
ብፌሮ ኣሲሮም ኣብ ፍሉይ መእሰሪ ክፍሊ ኣእትዮም ምስ ስድርኦምን ጠበቐኦምን ከይራኸቡ ብምግባር ሰረቐቲ ኩኑ ወይ ሰረቕቲ
ኣምፅኡ ብዝብል ዓቕሎም ኣፅቢቦም ብምእሳር። ብሓይሊ ከእምንዎም ይፍትኑ ከምዘለው ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝላሓኲ
ምስጢር ኣመልኪቱ።
ካብ ከተማ ሸራሮ ከይወፃእና ስርዓት ወያነ
ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ቅጥዒ ዝሰኣነ ኣከፋፍላ ግብሪ ካብ ዝሓለፈ ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅለሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣
ካብቶም ምስ ትሕዝትኦም ዘይመጣጠን ግብሪ
ብኣማሓደርትን ካደረታት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ክኸፍሉ ተወሲንዎም ናይ ንግዲ ትካሎም ዓፅዮም ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለው ካብ
ነበርቲ ከተማ ሸራሮ። ቴዎድሮስ ኪ/ማርያም ወናኒ ካፌ ብግብሪ ዝዓፀዎ፤ ኣታኽልቲ ቤዚ ወናኒ ኮምፒዩተር ሰንተር ክኸፍሎ
ዝተወሰነሉ ግብሪ 58 ሽሕ፤ ምሕረት ገብረኣነንያ ኮምፒዩተር ሴንተር ዝተወሰነላ ግብሪ 36 ሽሕ፤ ማዕርግ ኣብርሃለይ ወናኒ
ትካል ሓፂን መፂን መኽፈሊ ግብሪ ስኢኑ ዝዓፀዎ፤ ገብረሊባኖስ ሓደራ ወናኒ ጋራጅ ልዕሊ ዓቕሙ ግብሪ ክኸፍል ተወሲንዎ ክኸፍል
ብዘይምኻሉ ዝዓፀወ፤ ተኽላይ ወ/ሳሙኤል ወናኒ ትካል ጋራጅ ዝነበረ መኽፈሊ ግብሪ ስኢኑ ዝዓፀዎ። ብሓፈሻ ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ
ኣከፋፍላ ግብሪ ኣብታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ሰብ ዋና ትካላት ተኣሲሮም፤ ዓዶም ገዲፎም ተሰዲዶምን ትካላት ዝዓፀዉን ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣