Monday, October 7, 2013

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራን ንመለስ ፋውንደሽን ዝውዕል ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ካብ ከተማ ሽረ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



እቶም ብርክት ዝበሉ መምህራን ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሽረ መፀዋዕታ ኣኼባ ተጌርሎም ኣብ ዝተኣከብሉ። ኣጀንዳ ናይ’ቲ ርእሲ ድማ ንመለስ ፋውንደሽን ዝውዕል ገንዘብ ምውፃእ ዝብል ኮይኑ። ብወገን ተኣከብቲ መምህራን ብስንኪ በዝሒ መዋጮን ክብሪ መነባባሮን ዝኸፈልና ዘሎ መሃያ ንኹሉ ዝሽፍን ስለ ዘይኮነ ክንከፍል ፍቓደኛታት ኣይኮናን ክብሉ ኣሉታዊ ምላሽ ከም ዝሃብሉ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ መሰረት ብምግባር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ፣

   እቲ ብ19 መስከረም 2006 ዓ/ም  ኣብ ከተማ ሽረ ዝተገበረ  ኣኼባ መምህራን ብምኽትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ቁጠባን እቲ ዞባ ኣይተ ኢልሴፍ ታደሰ ከም ዝተመረሐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካድረታት ወያነ ነቶም መምህራን  ኣእሚኖም ብሽም ውልቀ መላኺ መለስ ዜናዊ ክምንዝዕዎ ዝሓሰቡ ገንዘብ ተሰናኺሉ መደቦም ፈሺሉ ከም ዝተረፈ ተፈሊጡ፣

      ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ መምህራን በብተራ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ። “ግድብ ህዳሴ፤ ንልምዓት ትግራይን ካልኦትን እናበልኩም በብወርሑ ደመወዝና ኣብ ኢድና ከይበፀሐ መናጢልኩም እናወሰድኩም ክንወፆ ኣብ ዘይንኽእል ዓዘቕቲ ድኽነት ኣእቲኹምና ዘለኹም ከይኣክል። ሕዚ’ዉን ንመስርሒ መለስ ፋውንደሽን ገንዘብ ሃቡ ምባልኩም ዘሕዝን እዩ። እንተደልዩ መንግስቲ ቅልጡፍ ዕቤት ኣመዝጊበ ይብል ኣሎ ባዕሉ የስራሕዮ። ንዓና ልዕሊ ዓቕምና’ዩ ኣይነዋፅእን” ብምባል ኣስታት 3 ሽሕ መምህራን ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ብምውፅኦም እቲ ኣኬባ ብዘይ ፍረ ከምዝተበተነ እቲ ካብ ከተማ ሽረ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።