ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ካድረታታ ወያነ ካብ ደቂ 18 ዓመት ክሳብ 22 ዓመት ዝዕድሚኦም 10ይ
ክፍሊ ዝወድኡ ተማሃሮ። ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ህዝቢ ኣኪቦም መጠነ ሰፊሕ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ካብታ
ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ካድረታት ወያነ
መንእስያት ተማሃሮ ኣታሊልካ ናብ ውትህድርና ንምምልማል ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ሜላ። ኣብ ውሽጢ ውትህድርና ምስ ኣተኹም ከከም ደረጃ ትምህርትኹም ዓቕምታትኩም
ዘማዕብል ሞያ ስልጠናታት። ከም ኮምፒዩተር፤ መካኒክን ካልኦት ትምህርትን ክዋሃበኩም’ዩ ዝብል ዘይተግበር መብፅዓ ይኣትውሎም’ኳ
እንተለዉ። እቶም መንእሰያትን ወለድን ግና እዚ ጎስጓስ ንግዝኡ
ኣታሊልካ መእተዊ ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ልሙድ ምህዞ ምዃኑ ተረዲኦም ነቲ ሓሳብ ከም ዘይተቐበልዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ብምሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ኣብ
ምክልኻል ስራዊት ዝርከቡ ተወለድቲ ብሄር ትግራይ ኣዚዮም ዉሑዳት ብምዃኖም። ነዚ ንምሽፋን ሓዱሽ ኣመላምላ መስርሕ ይተኣታቶ
ከም ዘሎ ካብ ሰራዊት ወያነ-ኢህወዴግ ልሒኹ ዝወፀ ምሲጢር ምቅላዕና ይፍለጥ።