Monday, October 7, 2013

ነጋዶ ከተማ ሸራሮ ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ይገደዱ ምህላዎም ካብ’ታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣


ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ኣብ ዞባ  ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ነጋዶ ምስ ኣትዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ ብተደጋጋሚ  ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉን ብሰንኩ ድማ ኣብ ከቢድ ክሳራ ወዲቖም ትካላቶም ይዓፅዉ ምህላዎም ገሊፁ፣

 ካብቶም  ልዕሊ ዓቕሞም ግብሪ ክኸፍሉ ተገዲዶም  ትካላቶም ካብ ዝዓፀዉ ወገናት። ሓደ ኣይተ ኣስማረ ኣረጋይ ብንግዲ መሳርሒ ህንፃታት ዝመሓደር  ከም ዝነበረን። በቲ ዝወረዶ  ክፈል ዝተባሃሎ ልዕሊ ዓቀን ግብሪ ተማሪሩ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ትካል ዓፅዩ ናብ ይሓይሽ ዝበሎ ናይ ፅዕነት መኪና ገዚኡ ክሰርሕ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዘይቀሰኑ ኣመሓደርቲ ስርዓት ወያነ ነታ መኪና  ከይትሰርሕ ከም ዝኣገድዋ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

  ከምኡ’ዉን ኣይተ ሰለሙንን ተጋዳላይ ነበር ኣይተ ቀበርን ዝተበሃሉ ድንኳን ከፊቶም ሸቐጣ ሸቐጥ እናሰርሑ ቤተሰቦም ከማሓድሩ ዝፀንሑ ዜጋታት። ርትዓዊ  ዘይኮነ ግብሪ ንብረቶም ሸይጦም ክኸፍሉ ስለ ዝተገደዱ ትካላቶም ዓፅዮም። ባዕሎምን ቤተ ሰቦምን ብከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ይህሰዩ ከም ዘለዉ እቲ ካብ ከተማ ሸራሮ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣

ከም ዝፍለጥ ኣብ መላእ ሃገርና ኢትዮጵያ ብኢ-ፍትሓዊ ናይ ግብሪ ኣከፋፍላ ማሕበረሰብ ነጋዶ ክሰርሑ ብዘይምኻሎም ተጠቃማይ ህዝቢ እውን ብወገን  ብኽብሪ ዋጋ ይሳቐ ከምዘሎ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ግብሪ ኣከፋፍላን ዘውርዶ ዘሎ ጉዳትን ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና እናገለፅና ምምፃእና ይዝከር።