Wednesday, October 9, 2013

ብግዕዙይ ኣሰራርሓ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ናብራ ዝሓሰሞም መንእስያት ዝተፈላላዩ ሜላታት እናተጠቐሙ ብመተማ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



እቶም ብግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግን ስራሕ ስእነትን ተማሪሮም ሃገሮም ገዲፎም ዝጠፍኡ  ዘለዉ  ዜጋታትና ቁፅሮም  ካብ እዋን ናብ እዋን ይዛይድ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ብ22 መስከረም ካብ ከባቢ ወሎን ጎንደርን ዝተበገሱ ልዕሊ 65 ዝኣኽሉ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም መንእስያት። ኣብ ከተማ መተማ ብምትእኽኻብ  ኣብ ሓንቲ ኣውቶብስ ተሳፊሮም ስፖርተኛታት መሲሎም ንምሕላፍ ነታ ኣውቶቡስ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሸፊኖም ንባዕሎም ናይ ኢትዮጵያ ስፖርተኛታት ማሊያታት ተኸዲኖም  ነቶም ሓለውቲ  ኣደናጊሮም ዶብ ሰጊሮም መሬት ሱዳን ዳራቢል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ምስ በፅሑ ኣባላት ፀጥታ ወያነ ክሕዝዎም ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን መብዛሕትኦም የማን ፀጋም ፋሕ ኢሎም እኳ እንተምለጥሎም። ንገለ ካብኦም ብጥይት ተኲሶም 4እንትቐትሉ 6 ድማ ከም ዘቑሰሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣

 እቶም ብዕጡቛት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ብዝተተኮሰ ጥይት ዝተቐትሉ። ተመስገን ኣድማሱ፤ ሪሒማ ኢማም፤ ህልና ኣበበ፤ ክብሩ ክንፈ እንትኾኑ። ካብቶም ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉን ዝመርሑን ዕሱባት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ድማ ምክትል ኢንስፐክተር ተስፋይ ላቆውን ምክትል እንስፐክተር ሰለሙን ኣረጋዊን ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ፣