Monday, October 7, 2013

ብስርዓት ወያነ ዝቐርብ ዘሎ መዳበርያ። መፍትሒ ፀገም ዘይኮነስ ፈጣሪ ፀገም ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ትግራይ ምንፃጎም ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ዝነብሩ ሓረስቶት ንመስኖ ዝዉዕል መዳበርያ ንኽዕድጉ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግን ኮራኹር ካድረታቶምን ካብ 20 መስከረም 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ንህዝቢ ብምእካብ ሰፊሕ ጎስስጓስ ኣብ ምክያድ እኳ እንተኾኑ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓረስቶት ብግድኦም ብመንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ መዳበሪያ ልዕሊ ዓቐን ዋጋ ይሓተና ስለ ዘሎ ምስቲ ዝኣቱ ምህርቲ ፍፁም ዝሳነ ብዘይምኳኑ ዓመት ሙሉእ ደኺምና ብዘይሓደ ትርፊ ኣደዳ ድኻም ኮይና ተርፍና ክብሉ ኣብቲ መድረኽ መረረቶም ከም ዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ
ብፍላይ ኣብቲ ኣኼባ ኣበበ ተስፋይ ብዝተበሃለ ወኪል ምርመር ሕርሻ ንዝቐርብ ዝነበረ መዳባርያ እንተወሲድኩም ካብ ሓደ ሄክታር 80 ኲንታል ምህርቲ ክትሓፍሱ ኢኹም ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዘይሚዛናዊን ምስ ናይ ከባቢና ሓመድን ኩነታት ዝናብን እኽል መፅናዕቲ ዘይተገበረሉ ብገንዘብ ተዓሺኹም ንዓና ክተታሊሉና ትሓስቡ እንተለኹም ብኮንቱ ኣይትድከሙ” ከም ዝበሎዎም ተፈሊጡ፣
ኣብቲ ሓረስቶት መዳበርያ ንኽጥቀሙ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ንዝቐርብ ዘሎ መታለሊ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ። ንስምዒት ህዝብ መርሕ ኮይኖም ካብ ዝቃወሙ ዘለዉ ሓረስቶት። ኣይተ ሃፍቱ መንገሻዉ፤ ወ/ሮ ኣፀደ ይኹኖ፤ ኣይተ ገበረመድህን ደርሳዉን ካልኦትን ዝርከብዎም ኮይኖም። ንሳቶም “መንግስቲ ብመዳበርያ ኣቢሉ ንባዕሉ ክኸስብ እምበር ገባራይ ከኽስብ ኣይነቐለን” ክብሉ ነቲ ብመራሕቲ እቲ መድረኽ ዝቐረበ ሓሳብ  ከምዝነፀግዎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።