ዩ.ኤስ.ኣር.ዩ ዝተበሃለ ብደረጃ ኣፍሪካ
ዝንቀሳቐስ ብገበርቲ ሰናይ ዝሙወል ፀረ-ግዕዝይና ትካል ብ21 መስከረም 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተቖርቆርቲ ሃገሮም
ዝኾኑ ምሁራትን ክኢላታትን ዘሳተፈ ዘተ ኣብ ዘካየደሉ። ኢትዮጵያ ምስቲ ዘለዋ ኢኮኖምያዊ ዓቕሚ እንትነፃፀር እታ ዝኸፈአ
ግዕዝይና ብልሹዉ ኣሰራሓ ዝነገሰላ ሃገር ክብል ምግላፁ ካብ ከተማ መቐለ ዝተርኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ካብኡ ናብኡ እንተኣዋዳድርና ድማ መንግስታዊ
ኣገልግልት ዝህቡ ሽሞኛታት ክልላት ትግራይን ኦሮሞን ካብ ህዝባዊ ምሕደራ ወፃኢ ዝኾነ ኣሰራርሓታት። ግብረለይ ክገብረልካ፤
እንካን ሃባን፤ ብዘመድ ኣዝማድን ዝመግለፂኦም ግዕዝይና ሱር ሰዲዶም ብቐሊሉ ክእለይሉ ኣብ ዘይኽእሉ ደረጃ በፂሖም ከም ዝርከቡ
እቲ ትካል ኣረጋጊፁ ኣሎ፣
ነቶም ቁሊፊ ፀገማት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ።
ዝስተ ፅሩይ ማይ፤ ወሃብቲ ትካላት ኣገልግሎት ጥዕና፤ ብቑዕ ዓቕሚ ዘለዎም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናታትን፤ ፅሬት ዘለዎ
ትምህርትን ካብን ናብን ደረጅኡ ዝሓለወ ፅርጊያን ክዉዕሉ ተባሂሎም በብዓመቱ ካብ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሃገርናን ዝምደብ
ባጅት ኣብ መዓልኡ ከወዓለ ይጠፋፋእ ስለ ዘሎ። እዛ ሃገር ካብዞም ፀገማት ክትናገፍ ኣይከኣለትን ምባሉ ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ
እቲ ዩ.ኤስ.ኣር.ዩ ዝተባሃለ ትካል። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኢትዮጵያ ዝመርሓዋ ዘለዉ ስበ ስልጣን። ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ
ብምትእስሳር ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምዝማት ዝለዓለ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ምስ ጠቐሰ። ካብ ሕዚ ንዳሓር ምስ ትካሎም ርክብ
ዘለዎም ገበርቲ ሰናይ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከም ዘይህቡ ኣፍሊጡ፣