ኣመሓደርቲ
እቲ ከባቢ ብ16 መስከረም 2006 ዓ/ም ንነባራይ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ነቲ ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝረአ ዘሎ ለበዳ
ሕማም ዓሶ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምንዳይ ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ንምትግባር ኣኼባ ኣብ ዝጀመርሉ ግዜ ህዝቢ ብወገኑ ሕዚ ክትግበር
እንደልዮ፣ ነቲ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ዓሶን ብሰንኩ ዝመዉት ዘሎ
ህዝብን ዓሶ ንምቁፅፃርን ዘኽእል መፍትሒ ክግበረሉን ኣለዎ ብምባል ዘቕረብዎ ሓሳብ። ሰበ ስልጣን እቲ ወረዳ ናይ ሎሚ ኣኼባና ብዛዕባ ዓሶ ኣይኮነን ብምባል ኣንፃራዊ ምላሽ ከም ዝመለስሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ነቲ ፆታን ዕድመን ከፈለየ ህዝቢ ዘፅንት ዘሎ
ለበዳ ሕማም ዓሶ ቆላሕታ ህብኩም ፀገም ሕብረተሰብ ዘይትፈትሑ
እንተዳኣ ኮይንኩም ምሳኹም ምስ ኣመራርሓ ወያነ ዘራኽብ የብላናን ብምባል ተኣከብቲ ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ከም ዝወፁ። ካብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣
እቲ ለበዳ ሕማም ዓሶ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ናይቲ ዞባ ዝርከባ ወረዳታት
ዝነብር ህዝቢ ሓደጋ እናዉረደ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብፍላይ ከዓ ብሰንኪ ዓሶ ዝለዓለ ቑፅሪ ምዉታት ዘመዝግባ ዘለዋ።
ዕዳጋ-ሕብረት፤ ዓዲ ራህዋ፤ ዓዲ መሓመዳይን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ጣብያታትን ከም ዝኾና እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቡ፣