በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን
ጎንደር ወረዳ መተማ ፍሉይ ሽሙ ሸዲ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ሓደ
ኣባል ፖሊስ ስራሕ ንምእላሽ ካብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ሃገርና
ንዝኸዱ ክልተ ንፁሃት ዜጋታት ገንዘብ ክህብዎ ምስ ሓተቶም የብልናና ስለ ዝበልዎ ጥራሕ ንኽልቲኦም ብጥይት ተኩሱ ከም ዝቐተሎም ተፈሊጡ፣
እቶም ብ4 መስከረም 2006
ዓ/ም ብግፍዒ ዝተቐተሉ ወገናት በለጠ ቸኮልን ቸርነት ኣድማሱን ዝተበሃሉ ኢትዮጵያዊያን ተወለድቲ ብሄር
ኣምሓራን ብሄር ኣገዉን እንትኾኑ እቲ ፖሊስ ክሳብ ሕዚ ከምዘይተታሓዘን ንዕኡ ንምሕዝ ብኣካላት ፀጥታ ዝግበር ክትትል ከም
ዘየለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ከም ሰዓቤኑ ድማ ካልኦት ናብቲ ከባቢ ክሰርሑ ኢሎም ዝኸዱ ሸቃሎ ነቲ ፍፃመ ምስ ሰምዑ ኣብ ከቢድ ስግኣት ብምወዳቖም ናበይ ኢና ነብሎ ኣብ ውሽጢ ሃገርና
ሰሪሕና ክነብር ኣይከኣልናን ስለዚ ከምቲ ተፈፂሙ ዘሎ ግፍዓዊ መቕተልቲ ንፁሃት ወገናትና ክገብር ኢሉ ንዝመፅእ ዝኾነ ፖሊስ
ተሓባቢርና ከይቀደመና ክንቅድሞ ኣለና ክብሉ በብወገኖም ይተኣኻኸቡ ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣