Tuesday, May 27, 2014

ብምኽንያት 20 ግንቦት ካብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት)ዝተዋህበ ውድባዊ መግለፂ



ንድሕሪት ምልስ ኢልና ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመታት እንትንዝክር ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከዓ እቲ ደማዊ ኲናት ዝተኻየደሉ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ምስ ኣሓት ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ብምሕባር፤ ካብታ ዝደቐቐት ንብረቱ ክሳብ እታ መተካእታ ዘይብላ ህይወቱ ከፊሉ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ስውኣትን ጉዱኣት ኲናትን ዝበጀወ ህዝቢ ትግራይ፤ ንስርዓት ደርግ-ኢሰፓ ደምሲሱ ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ካብ ዘዐውቶ እንሆ 23 ዓመታት ኣቑፂሩ ይርከብ።
 ዕላማ እቲ ን17 ዓመታት መመላእታ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልስን ዝተኸፈለ ኩለ መዳያዊ መስዋእትን ድማ ሰላም፤ ዴሞክራስን ፍትሕን ዘንግስ፤ ብሓድነትን ማዕርነትን ብሄር-ብሄረሰባት ኣሚኑ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘንግስ፤ ካብ ወገናውነትን ኣድልዎን ነፃ ዝኾነ፤ ረብሓ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘቐድምን ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል እዩ ነይሩ።
 ይኹን‘ምበር። ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰሎም ዕላማታት ካብ ፅባሕ 20 ግንቦት 1983 ዓ/ም ጀሚሩ እቲ ዝምነዮ ዝነበረን ንዓመታት ዝተቓለሰሎም መትከላትን ሕድሪ ስውኣትን ኣብ ስልጣን ብዘለው ጠላማት ካድረታትን ሰበ-ስልጣንን ህ.ወ.ሓ.ት-ኢህወዴግ ትርጉም ኣልቦ ኮይኖም ተጓዕፂፆም ተሪፎም እዮም።      
መራሕቲ ህወሓት-ኢህወዴግ ብናይ ህዝብታት መስዋእትን ስንክልናን መንበረ ስልጣኖም ምስ ኣደልደሉ ከይወዓሉ ከይሓደሩ ኣብ ውልቃውነትን ኣብ ግዕዝይናን ጢሒሎም፤ ብዝኸፍአ መልክዑ ሰናይ ምሕደራ ጠፊኡ፤ ፍትሒ ብግቦን ግበረለይ ክገብረልካን ኮይኑ፤ ህዝብና ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፈአ ፖለትካዊ፤ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ወዲቕካ ትርከብ።
 ዝኸበርካ ህዝብና እዞም ብሽምካ እናሸቀጡ ግን ድማ ዘይውክሉኻ ኣብ ግዕዝይና ዝጠሓሉ ሰበስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ ዝመርሕዎ ስርዓትን መሓውሮምን ፈርከሽከሽ ኣብ ምባል ከም ዝርከብን እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝፍፅምዎ ዘለው በደልን ግፍዕን መርኣያ ውድቀቶም ምዃኑ ክትስሕቶ የብልካን።
ስለዝኾነ ድማ እዩ ዜጋታት ካብ መረበቶም ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነትን ምርድዳእን ክፈናቐሉ የብሎምን፤ ብሄር ምስ ብሄር ዘጋጩው ዓሌታዊ ዝኾነ ምሕደራ እናመሓደርኩም ናብ ወለዶታት ዝሓልፍ ፅልኢ ኣይትመስርቱ፤ ድምፂ ህዝቢ እናዓበጥኩም ዴሞክራሲ ኣሎ ኣይትበሉ፤ ኢልካ ሓቂ ስለዝነገርካዮምን ካልኦት ዴሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትካ ብምልዓልካ ጥራሕ ህዝቢ እናጨፍጨፉ ዕድመ ስልጣኖም ከናዉሑ ዝፍትኑ ፌደራል ፖሊስን ኣግኣዚ ኮማንዶን ብምልኣኽ ህይወትካን ህይወት ደቅኻን እናቐዘፉ ይሓልፍዎ ኣለዉ።
 እዚ ተግባራት እዚ ግን ከምቲ ስርዓት ደርግ ህዝቢ ነቲ ስርዓት ምስ ተቓወሞን ናብ ቃልሲ ምስ ወሓዘን ነቲ ምንቅስቓስ ንምዕጋት ኢሉ ዝወሰዶ ዝነበረ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ስጉምቲ ዝመሳሰል እዩ፣ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ እውን ብሽም ዴሞክራስን ሰናይ ምሕደራን እናማሓለ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፍፅሞ ዘሎ እከይ ተግባር ብምቅዋም ብህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ከም ዝድግፎን ኣብ ጎኑ ደዉ ኢሉ ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ከምዝገብርን ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) የረጋግፅ።
  ብተመሳሳሊ ውትድርና ክቡርን ሞያዊ ስራሕ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኮነን፣ ምስዚ ጎናጎኒ ኣብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምክልኻል ሰራዊት ናይ ሓንቲ ሃገር ሉኣላውነት ሃገርን ሕገ-መንግስትን ከይጥሓስ ዘኽብር፤ ምስ ኣብ ስልጣን ዝተቖፃፀረ ገዛኢ ፓርቲ ዘይውግን፤ ንሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ዝጣበቕ ድልዱል ሓይሊ ክኸውን ይግባእ፣
እንተ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ተግባር ምክልኻል ሰራዊት ግን ብሰንኪ ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ዝእዝዙ ላዕለዎት መኮነናት ኣባላት ህወሓት-ኢህወዴግ ኣብ ክንዲ  ዋልታን መኸታን ህዝቢ ዝኸውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሰቃቂ በደል ክፍፀም ፀኒሑን ኣሎን።
እንተኾነ ግና እዚ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ኣብ ሲቪል ማሕበረሰብ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ልዕሌኻ‘ውን ዴሞክራስያዊ ሕቶ ብምሕታትካ ጥራሕ ኣብ ዝተፈላለያ ወታደራዊ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒንካ ትሳቐን ትቕተልን ኣለኻ።
 ስለዚ እቲ በብክፍልኻ ኮይንካ እተካይዶ ዘለኻ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት ውድብና ዴምህት ዝከታተሎን ንተግባራውነቱ ድማ ኣብ ጎንኻ ስለ ዘሎ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕጥቂ ኣብ ልዕሊ ከፋፋሊ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ክተቕንዖን ንባዕልኻን ንህዝብኻን ከምኡ‘ውን ኣብ ጎኒ ህዝብኻን ምስ ካልኦት ዴሞክራስያውያን ውድባትን ብምውጋን ንሃገርካ ካብዞም ብግዕዝይና ዝጠልቀዩ ውልቀ መለኽትን ስርዓቶምን ክተናግፋ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) በዚ ኣጋጣሚ ይፅውዕ።
ዝኸበርኩም ኣብ መላእ ሃገርና ኣብ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ትካላት ትምህርቲ ትመሃሩ ዘለኹም ዜጋታትና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በፂሕኹም ንባዕልኹም፤ ንህዝብኹምን ንሃገርኩምን ነቶም ኣብ ርእሲ ድኽነቶም ንባዕሎም ከይተማህሩ ዘምህርኹም ዘለው ወለድኹምን ከይትሕግዙን ከይትጥውሩን ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ጉጉይ  ፖሊሲ ትምህርቲ ሕልምኹምን ራኢኹምን ዕውት ክኸውን ኣይረአን ዘሎ።           
ስለዚ ትቕፅልዎ ዘለኹም ኣንፃር ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝቐንዐ ተሪር ተቓውሞን ምእንተ ህዝብኹም እትኸፍልዎ ዘለኹም መስዋእትን ኣብ ማህደር ዉድብና ዴምህት ፉሉይ ቦታ ከም ዘለዎ እናሓበረ ውድብና ዴ.ም.ህ.ት ናእድኡን ኣድናቖቱን ብምግላፅ ኣብ ጎንኹም ከምዘሎ የረጋግፅ።
ብሓፈሻ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ነቲ ህዝቢ ካብ መረበትና ኣይንፋናቐልን፤ ገዛውትና ኣይፈርስን፤ ኣብ መሬት ምዕዳል ዝግበር ዘሎ ኣድልዎ ደው ይበል፤ ዝመስለካ ሓሳብ ናይ ምግላፅ መሰልን ምውዳብን ይረጋገፅ፤ ብምባል በብግዚኡን በብኣንፈቱን ኣንፃር ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝገብሮ ዘሎ ተቓውሞታት ከም ዝድግፍን ኣብ ጎኑ ደው ከም ዝብልን ደጊሙ ደጋጊሙ የፍልጥ።
ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ካብ ስልጣኑ ክእለይ ዝኽእል ብተናፀል ብዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንተይኮነስ ጥምረትን ሓድነትን ብምፍጣር ምዃኑ ኣሚኑ ውድብና ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴ.ም.ህ.ት ንትግባሪኡ ከይተሓለለ ሰሪሕሉን እናሰረሐሉን መፂኡን ኣሎን፣ ሕጂ’ውን ጥምረትን ሓድነትን መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑ ብምግላፅ ኩላትና ኣንፃር ህወሓት ኢህወዴግ  እንቃለስ ውድባት ኣብ ሓደ መኣዲ ቃልሲ ክንሓብር በዚ ኣጋጣሚ ውድብና ይፅውዕ።
ንምጥቕላል ኣብ ውሽጥን ደገን እትርከብ መላእ ህዝብና ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ብውልቂ ይኹን ብዝተወደበ ኣገባብ ተካይዶ ዘለኻ ዘይተሓለለ ምትሕብባር ብምንኣድ ዝያዳ ምስ ቁኑዓትን ዴሞክራስያዉያን ተቓለስቲ ውድባት ደው ኢልካ ምትሕግጋዝን ምቅላስን ግቡእኻን ህዝባዊ ሓላፍነትካን ምዃኑ ብምእማን ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክትደፍኣሉ ዴምህት ፃዊዒቱ የቕርብ።  

               ዓወት ንውፁዓት!!
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ዴምህት)
             20 ግንቦት 2006 ዓ/ም