Sunday, May 25, 2014

ኣብ ሰሜን እዝ መበል 21 ክፍለ-ሰራዊት በቲ ኣብ መላእ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰፊሑ እናተላበዐ ዝቕፅል ዘሎ ካብ ውትድርና ኣሰናብቱና ብዝብል ተቓውሞታት ምኽንያት ሕዚ’ውን ህይወት ብዙሓት ወታሃደራት ይጠፍእ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ካብቲ ምክልኻል ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ብ 7 ግንቦት 2006 ዓ/ም ኣብ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት 7ይ ሬጅመንት 2ይ ሓይሊ  ኣብ ግንባር ባዳ ፍሉይ ሽሙ ምስሊ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ በቲ ናይ ምስንባት ሕቶታት ምኽንያት ኣብታ ሓይሊ ብዝተፈጥረ ግጭት ተወላዲ ብሄር ኣምሓራ ዝኾነ ወታሃደር በላይነህ ኣለሙ  እንትሞት ሓደ  ንግዚኡ ስሙ ዘይተፈልጠ ድማ ካብ ብሄረ ወላይታ ብኸቢድ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝረከብ ተፈሊጡ።

   ብተመሳሳሊ ኣብ ግንባር ባዳ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ኩባ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣብ ሓንቲ ናይ ክፍለ ሰራዊት ስለያ ዝነበረ ተወላዲ ብሄረ ኦሮሞ  ሓለቓ ዓሰርተ በቀለ ድጉማ ተደጋጋሚ ናይ ምስንባት ሕቶ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ክምለሰሉ ብዘይ ምኽኣሉን በዓልቲ ቤቱ ብሓደ ኣዛዚ ናይቲ ሰራዊት ስለ ዝተዓመፀትን ከሲሱ ግቡእ ፍትሒ ክረክብ ሰለ ዘይከኣለ ዓርሰ ቅትለት ብምፋፃም ሕይወቱ ከም ዘሕለፈ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።