Sunday, May 25, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ብሄረሰብ ቅማንቲ ብብሄርና ክንመሓደር መሰልና ይታሓሎ ብምባል ብ3 ግንቦት 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ጎንደር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ምንጭታትና ሓቢሮም።



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ብሄረሰብ ቅማንቲ ባዕልና ንባዕልና ክንመሓደር ኣለና ብዝብል  በተደጋጋሚ ናብ ቤት ምኽር እቲ ክልል ጥርዓን እኳ እንተቕረቡ ዝሰምዖም ኣካል ብዘይ ምርካቦም ብ3 ግንቦት 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ ጎንደር ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ዓፋኒ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ነቲ ህዝባዊ ሰለማዊ ሰልፊ ንምብታን ከም ልማዱ ብመንገዲ ተለኣኣኽቱ ዝኾኑ ፖሊሳት  ኣዋፊሩ ነቲ ተቃውሞ ክብትኖ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እቲ ህዝቢ ጠበንጃ ምስ ዝዓጠቑ ፖላዊስ ብእምንን ብበትርን ብምግጣም ከቢድ ግጭት ከም ዝተወለዐ ኣረዲኡ።

 እቲ ኣብ መንጎ ናይ መሰል ሕቶ ዝሓቱ ብሄረሰብ ቅማንቲ ዝኾኑ ሰልፈኛታትን ፖሊሳትን ዝተወለዐ ግጭት  ካብ ብሄረ ቅማንቲ 7ተ ሰባት እንትሞቱ ካብቶም ነቲ ሰልፊ ክብትኑን ህዝቢ ክጭፍጭፉን ዝመፁ ናይቲ ስርዓት ልኡኻት ዝኾኑ ፖሊሳት ድማ 3ተ ከም ዝተቐተሉ  እቲ ግጭት ከኣ ዛጊድ ክሃድእ ከም ዘይከኣለ ተፈሊጡ።