Sunday, May 25, 2014

ኣብ ዞባ ምብራቅ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ኩለን ጣብያታት ዝርከቡ ካድረታት ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ኣብ ጉቦን ስርቅን ስለዝተዋፈሩ ህዝቢ መረረቱ የስምዕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከቡ ካድረታት እቲ ስርዓት  ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጥፍፋእ ምውፋሮም ድሕሪ ምግላፅ  ነዚ መረረት ህዝቢ ዘስገኦም ኣማሓደርቲ ናይቲ ወረዳ ድማ ንኸምስሉን ህዝቢ ንምትላልን ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ካብ 9 ግንቦት ክሳብ 14 ግንቦት 2006 ዓ/ም ተኻታታሊ ኣኼባ  ከምዘካየዱ ተፈሊጡ።

      እዚ ብዛዕባ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ዝምልከት እጀንዳ ብደረጃ ላዕለዎት ኣመራርሓ ወረዳ ኢሮብ ዝካየድ ዘሎ ቀፃሊ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም  ኣብ  ስርቅን ምጥፍፋእን ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉ ካድረታት እታ ወረዳ ድማ፣

1 ስዩም ዑሞር
2 ዓዲ ዑሞር ወሉ
3 በርሀ ሓጎስ
4 ንጉሰ ኣብርሃ ዝተብሃሉ ዝርከብዎም እንትኾኑ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዘሎ ባዕሉ ኣብቲ ብልሽውና ሽሙ ተፀሪሑ ዘሎ ዓዲ ዑመር ወሉ እንትኸዉን ነቲ ገምጋም ዝከታተልዎ ካብ ዘለዉ ድማ ኣቦወንበር መናእሰያት ወረዳ ኢሮብ ወዲ ካሕሳይ፤ ኣፈ ጉባኤ እታ ወረዳ ሃለቃ ንጉሰ ካሕሳይ፤ ሓላፊ ፀጥታ ወረዳ ኢሮብ ወለገርግስ መሓሪ፤ ዓቃቢ ሕጊ እታ ወረዳ ዳዊት ዝተብሃሉ ካድረታት እቲ ስርዓት ከም ዝኾኑ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።