ህዝቢ
ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ሰብዓታ ሓራዛ ነበርቲ ቁሸት ሰብዓታ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ናይ መበል 11 ክፍለ
ሰራዊት ወተሃደራት ወያነ ኢህወዴግ ይቕተሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ዝተቐትሉ ሓደ ድማ መንእስይ ዳኒኤል ኣሰፋ ገብራይ እንትኾን ንሱ ብ6 ግንቦት
2006 ዓ/ም ኣብ እንዳ ወ/ሮ ትርሓስ መንበሪ ገዛ ብ4ተ ወተሃደራት ተቀጥቂጡ ከም ዝሞተ
ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ ወረዳ ኢሮብ
ኣብዞም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ልዕሊ 8 ንፁሃት
ዜጋታትና ብወተሃደራት ወያነ ከም ዝተቐትሉ ድሕሪ
ምግላፅ ከም ውፂኢቱ ድማ ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ነቲ ኣብ
ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ደወ ንኽብል ኣብቲ ወረዳ
ዝርከቡ ወተሃደራት ካብ’ቲ ከባቢ ክወፁ ዝጠልብ
ሓያል ተቓውሞ ከም ዝካየዱ ኣፍሊጡ።
ነቲ ብህዝቢ
ወረዳ ኢሮብ ዝተልዓለ ተቓውሞ ዘስገኦ ሓላፊ ፀጥታ ዞባ ምብራቕ ዊንታ ተኽሉ ምስ መሳርሕቱ ገብረ ካሕሳይን ብምኻን
ነቲ ህዝቢ ንምርግጋእን ንምዕሻዉን ክብሉ “ዝኾነ ወተሃደር ናብ ከተማ ደውሃን ከይኣቱ ከልኪልናዮ ኣለና”
ክብሉ ምዝራቦም ተፈሊጡ።