ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዓገረለኹማ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ
ካብ ገበርቲ ሰናይ ንድኻታት ተባሂሉ ዝመፀ እኽሊ የጠፋፍእዎ
ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም ኣብ ምጥፍፋእ ዝተዋፈሩ ኣማሓደርቲ ድማ ኣለማ ምስ ምክትሉ ተስፉን እንትኾኑ ካብዚ ተበጊሱ
ህዝቢ ተሓቢቢሩ ናብ ሕጊ ዋላኳ እንተቕረቦም እቶም ዳያኑ ግን መሻርኽቶም ስለዝ ኾኑ ነቲ ህዝቢ ከምስሉን ከተዓሻሽዉን ንሓደ
ወርሒ ኣሲሮም ነፃ ከም ዝሰደድዎም ተገሊፁ፣
ብተመሳሳሊ ካብ ወረዳ ኢሮብ ከይወፃእና ናይ ጣብያ ሓራዛ ሰብዓታ ናይ ፕሮፖጋናዳ ሓላፊ ዝኾኑ
ዮውሃንስ ዑመርን ምክትሉ ፍስሃየ መድሃንየን ዝተውሃቦም ስልጣን ተጠቒሞም ኣብ ምጥፍፋእ ንብረት ህዝብን ኣብ ምብላዕ ጉቦን
ተዋፊሮም ብመርትዖ ተታሓዞም ከብቅዑ ሓደ ወርሒ ጥራሕ ተኣሲሮም ናብ ሰረሖም ከም ዝተመልሱ እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።