Thursday, August 7, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ካብ 15 ወረዳታት ዝተውፃፅኡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ብህዝቢ ክለዓል ንዝኽእል ተቓውሞ ስለ ዘስገኦም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



     እዞም ኣብ ዞበ ምዕራብ ጎጃም  ካብ 15 ወረዳታት ዝተውፃፅኡ መዝነቶም  ካብ ምኽትል ኢንስፐክተር ንላዕሊ ዝኾኑ  ኣዘዝቲ ፖሊስ  ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም  ካብ 23-25 ሓምለ 2006 ዓ.ም  ንሰለስተ መዓልቲ ተኸታተልን ፅዑቕን   ኣብ ዝኾነ ኣኼባ  ተፀሚዶም ከም ዝቐነዩ  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  ምኽንያት መአከቢኦም ድማ ዋና ፀሓፊ ጉንበት 7 ኣይተ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ምእሳር ተኸቲሉ ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ከየካይድ ብምስጋእ ኮይኑ ነዚ ንምቁፅፃር ድማ ቅድመ ድልውነት ንምግባር ዝዓለመ ከም ዝኾነ  ካብ’ቲ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

  እቲ  ኣብ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ካብ 13 ወረዳታትን ካብ ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ካብ ምኽትል ኢንስፐክተር ንላዕሊ መዓርጎም ዝኾኑ  ኣዘዝቲ ፖሊስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ብዋና ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ዞባ ኣይተ ዘለቀ  ዝተመረሐ ኮይኑ ካብ’ቶም ተሳተፍቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ  ድማ “ብህዝቢ ንዝለዓል ዓመፅ ክነጥፍኦ ንኽእል ኢና ነቲ ዝሃድም ዘሎ ኸ ከመይ  ክንቆፃፀሮ ንኽእል” ክብሉ ንዘቕረብዎ ሕቶ ጉቡእ ምላሽ ከይተገበረሉ እቲ ኣኼባ  ከም ዝተበተነ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊፁ።