Thursday, August 14, 2014

ኣብ ከተማ ዓዉደ ራፊዕ ዘለዉ ፖላዊስ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሰላማዉያን መሲሎም ብምቕራብ ንፁሃት ሰባት ይቐትሉ ከምዘለው ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭትታና ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ዓዉደ ራፊዕ ዝተመደቡ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ኪሮስ /በሃበሎም/ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥዜጋ  ብ26 ሓምለ 2006 ዓ.ም ምስኡ ሓቢሮም መስተ ክሰትዩ ሓዲሮም ሰዓት 8፣00 ለይቲ ንገዝኡ ክኸይድ ኣብ ዘወፀሉ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ መንገዲ ከም ዝቐተልዎ ኣረዲኡ።

እቶም ቀተልቲ ኣባላት ፖሊስ ገዛኢ መንግስቲ ሬስኡ ሰብ ንኸይረኽቦ  ናብ ከባቢ እንዳሚካኤል ዝርከብ በረኻ እናጎተቱ ኣብ ዝወስድሉ ዝነበሩ ሓንቲ ንቤተክርስትያን ዝኸዳ ዝነበራ ወ/ሮ ደርቤለሽ ፋንታሁን ዝተባህላ ኣደ ከም ዝረኣያ ድሕሪ ምጥቃስ ካብ’ቶም ቀተልቲ ኮንስታብል ተፈራ ዝተበሃለ ንግዝኡ ተታሒዙ እኳ እንተሎ  ግቡእ ምፅራይ ክግበረሉ’ዩ ዝብል እምነት የብልናን ክብል ህዝቢ እቲ ከባቢ ይዛረበሉ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ’ቲ ቦታ እንከይ ወፃእና ኣብ ዓዉደ ራፊዕ ፍሉይ ቦታ ዋጢራ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ብ27 ሓምለ 2006 ዓ.ም  ሓያል ግጭት ከም ዝተወለዐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ከዓ ሰፈራ ተባሂሎም ናብ’ቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ተጋደልቲ ነበር ተጋሩ በቲ ግጭት ተሃሰይቲ ኮይኖም ኣብ ዘለዉሉ ሽድሽተ መንበሪ ገዝኦም ተቓፂሉ ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ዘለወን ጥሪቶም ድማ ከም ዝተቐተላ ተፈሊጡ።

  እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ መሬት ዝመንቀሊኡ ባእሲ ከረጋግዕ ዝኸደ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ጎንደር ልዕሊ ዓቕሙ ኮይንዎ ፍታሕ ከይገበረሉ ብምምላሱ እቲ ኩነታት ተጋዲዱ ይቕፅል ብምህላው  መወዳእትኡ ብዙሕ ህይወት ሰብን ጥሪትን ካብኡ ሓሊፉ እዉን ዓዲ ከም ዓዲ ምብራስ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገለ ወገናት ስኽፍታኦም ይገልፁ ኣለው።