Sunday, August 3, 2014

ነባሪ ህዝቢ ከተማ ሰቲት-ሑመራ ንመዉፅኢ መንነት ካርድ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ገንዘብ ክኸፍል ይግደድ ብምህላዉ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ምንጭታትና ከብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሰቲት-ሑመራ ዝርከብ ህዝቢ ናይ መንነት ካርድ  ንምዉፃእ ተሸጊሩ ከም ዘሎን ከዉፅእ እንተኾይኑ ልዕሊ ሚኢቲ ቅርሺ ክኸፍል ግድን ብምዃኑ ኣይነዉፅእን ዝበለ ድማ መለለይ መንነት ዘይሓዝካ ፀጉሪ ለወጥን ተሓባባሪ ደ.ም.ህ.ት ስለ ዝኾንካ ኢኻ እናተብሃለ ይእሰር ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣

     ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሰቲት-ሑመራ ዘይቲ ብልዒ ኣብ ልዕሊ ምኽባሩ  ንምርካቡ’ውን ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኮይኑ ምህላዉን ዝገለፁ እቶም ምንጭታትና  ኢህወደግ ብሰንኪ ባዕሉ ዝኽተሎ ዘሎ ግዑዙይ ማሕደራ ዝተፈጠረ ናህሪ ዋጋታት ህዝቢ ኣብ ዝሽገረሉ ዘሎ ግዜ ተገምጢሉ ነጋዶ ብዝፈጠርዎ ፀገም ዝስዓበ ሽግር እዩ ብምባል ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ 3 ነጋዶ  ምእንቲ ህዝቢ ከማርር ኮነ ኢልኩም ዘይቲ ሓቢእኹም ብምባል ከም ዝኣሰሮም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣፣