Sunday, August 3, 2014

ኣብ ከባብታት ሑመራን ጎንደርን ዝርከብ መስመር ስልኪ በቲ ስርዓት ብምቁራፁ ነባሪ ሕብረተሰብ እቲ ከባብ ዕለታዊ ስራሕቱ ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ ተገሊፁ፣፣



ብመሰረት ምንጭታትና ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ መወሰኒ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ይኽተልዎ ንዘለዉ ምሕደራ ሕርሻ መሬት ነቲ ሓደ ወገን ኣግዲፍካ ነቲ ካልእ ምሃብ ዝተወለዐ ባእሲ መዕረፊ ከይተገብረሉ እንተሎ ነበርቲ ዓዉደ ራፊዕን ከባብኣን ዝኾኑ ዜጋታትና ካብ’ቲ ሓደ ክልል ናብ’ቲ ካልእ ክልል እናበልኩም ኣይተጋላብጡና ኣንተደሊኹም ምስ መሬትና ናብ ሱዳን ስደዱና ክብሉ ንሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ምቅዋሞም ተኸቲሉ። ኣብ’ቲ ከባቢ ስልኪ ክቛረፅ  ከም ዝኻኣለ እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣፣

ብሰንኪ እቲ ስርዓት ወሲድዎ ዘሎ መስመር ስልኪ ምቁራፅ ህዝብታት ክልትኡ ክልላት ማለት ኣብ ከተማታት ጎንደርን ሑመራን ከባብኡን ዝነብሩ ብንግዲ ዝመሓደሩ ወገናት ስርሖም ከየሳልጡ ዓብዪ ዕንቅፋት ከም ዝኾኖም ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ፀገም ንህዝቢ መራኸቢ ስልኪ ዓፂኻ ምቕፃዕ ፍፁም ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ኣብ መወዳእታ ገሊፁ፣፣