ኣብ ከተማ ሸራሮ ፊት ንፊት ፖሊስ ጣብያ
ዝርከብ መሬትን ገዛዉትን መንግስቲ ንዓቕሚ ንዘየብሎምን ድኻታትን ንዝኾኑ ዜጋታት እዩ ዝወሃብ ክበሃል እኳ እንተፀነሐ ላዕለዎት
ሓለፍቲ ፖሊስ እታ ከተማ ስልጣኖም ተጠቒሞም ነቲ መሬትን ገዛዉትን ንዉልቃዊ ረብሕኦም ከም’ዚ ዝበል ተግባር ዝፍፅሙ ዘለዉ ሓደ ኢንስፔክተር ተስፋይ ዝተባህለ
ኣዛዚ ፖሊስ ምዃኑ ተፈሊጡ፣፣ የውዕልዎ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ዘለዎ ስልጣን ተበሊፁ መሬትን ገዛዉትን ህዝቢ
መንዚዑ ንዉልቁ ብሒትዎ ዘሎ በዓል ስልጣን በዓል ዋና ኮይኑ ነቲ መሬትን ገዛዉትን ነቶም ድኻታትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣካርዩ
ክራይ ገዛን መብራህትን ንባዕሉ ክኸፍልዎ ይገብር ከም ዘሎ ንምፋልጥ ተኻኢሉ ኣሎ፣፣
እቶም ክራይ ክኸፍሉ ዝግደዱ ዘለዉ ዜጋታት
ንዉልቀ ሰብ ክኸፍሉ ኣግባብነት ከም ዘይብሉን ፍታሕ ንኽግበረሎምን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ጥርዓኖም ዋላ’ኳ እንተቐረቡ እቲ
ኢንስፔክተር ምስ’ቶም ሰበ ስልጣን ተመሻጢሩ ስለ ዝሰርሖ እቲ ክሲ ውፅኢት ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ካብቲ ሓበሬታ ንምርዳኣ ተኻኢሉ፣፣
እቲ ሓላፊ ፖሊስ ነቲ ካብ ህዝቢ ክወርዶ ዝኽእል ተቓውሞን ክስን
ንምክልኻል ሰበይቱ ኣብ ሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጋዲላ ከም ዓቕሚ ዘይብላ ኣምሲላ ብምጥራዕ እቲ ገዛዉቲ ብሽማ ብምዝዋር
ይምልከተኒ እዩ እናበለት ኣብ ዘላትሉ። እቶም ፅጉማት ወገናት ኣብ ቤት ፍርዲ ፍታሕ ስኢኖም ኣብ ዕንክሊል ግዜኦም የባኽኑ ከም
ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ፣፣