Sunday, August 3, 2014

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ በራሕለ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ግፍዕታት ክፍፅሙ ብምፅንሖም ዝቃሓረ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ዓፃፋ ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣



ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቶም ኣብ ወረዳ በራሕለ ጣብያ ሳባ ዘለዉ ናይ መበል 21 ክፍለ ሰራዊት ወተሃደራት ከም መቐፀልታ ኣስነዋሪ ተግባሮም ብ21 ሓምለ 2006 ዓ/ም  ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ወረዳ በራሕለ ግፍዕታት ክፍፅሙ ኣብ ዝጀመርሉ ህዝቢ ብሓደ ኮይኑ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣

 እቲ ተበዳሊ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ወተሃደራት ናይ ዓፀፋ ግብረ መልሲ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ናይ 8 ቦጦሎኒ 2 ሓይሊ ምክትል ኣዛዚ ዝነበረ ሓለቓ ሚኢቲ ገብሩ ዝተብሃለ ብሕሱም ተወቒዑ ንሕክምና ናብ መቐለ ከም ዝተወስደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ ሲቪላት ከኣ ዓብደልዋሃብ (ወዲ ሻምበል) ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ በቶም ወተሃደራት ብከቢድ ተደብዲቡ ኣብ ከተማ  መቐለ ኣብ ሕክምና  ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፣፣