Tuesday, August 5, 2014

ናብራ ህዝቢ ዘየማሕይሽ ልምዓት ውፅኢት የብሉን!



ምርግጋፅ ልምዓት ንሓደ ሃገር ይኹን መንግስቲ አድላይ ጥራይ ዘይኮነስ ቀንድን መሰረታውን መበገሲ ህንፀት’ዩ ተባሂሉ ዝግለጸሉ ምኽንያት ብዘይካ ልምዓት ናይ ሓደ ሃገር ህላውነት ስለ ዘይረጋገፅ’ዩ።
     ንልምዓትን ሃገራዊ ዕብየትን መሰረቱ ብቐንዱ አብቲ ሃገርዴሞክራሲያዊ ስርዓት እንትህሉን ንዝሕንፀፅ ናይ ልምዓት ፕሮግራማት ከተግብር ዝኽእል ቅኑዕ አረአእያ ዝወነነ ሓይሊ እንትህሉ ከም ዝኾነኳ ዝፍለጥ እንተኾነ ብሰንኪ በብግዚኡ ዝመፁ ስርዓታትን ንዕዖም ስዒቦም ዝወፁ ቀየድቲ ፖሊስታትን ግን። ሃገርና እንትርፊ ብድሕረትን ሕሱም ድኽነትን ብምዕባለን ግስጋሰን ክትፍለጥ አይካአለትን።
     ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ወግሐ ፀብሐ ብዛዕባ ዝተመዝገቡ ናይ ልምዓት ፕሮግራምን ፈጣን ኢኮኖሚን አመልኪቱ ንልዕሊ 10 ዓመታት ንገዛእ ህዝቡን ማሕበረሰብ ዓለምን ከደናግር እኳ እንተፀንሐ ሃኒፀየን ብዝብለን እንዳስትሪን አመዝጊበዮ ብዝብሎ ዕብየት ኤኮኖምን እንትርፊ ናብራ ሰበስልጣን’ቲ ስርዓትን አገልገልቶም ዝኾኑ ካድረታቶምን ናይቲ አብዝሓ ማሕበረሰብ ሂወት ከቕየር አይካኣለን።
     ሹመኛታት መራሕቲ ህወሃት ኢህወደግ ብስም እተን ናይ ህዝቢ ትግራይ እየን ዝብልዎን ትካላት ትእምት ካብአን ብዝረኸብዎ ዘይተአደነ ገንዘብ ሰብ ቦላሶታትን ዘመናውያን መካይንን ክኾኑ በቒዖም’ዮም፣ እንተ’ቲ በዓል ዋና ተን ትካላት እናተባህለ ዘባጭውሉ ውፁዕ ህዝቢ ግን ናብራ ካብ ኢድ ናብ አፍ ኮይንዎ መወዳእታ አብዘይብሉ ናይ ድኽነት ዓዘቕቲ ተዋሒጡ ንምህላው ምስክር ዘድልዮ አይኮነን።
     ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ብዝተፈላለዩ ምድያታቶም ንሶሙናት እናፋለጥዎ ዝቐነዩን አብዝሕዚ እዋን አብ ከተማ መቐለ ዘካይድዎ ዘለው ፌስቲቫል ዲያስፖራ ተጋሩ ዕላምኡ ንምንታይ ከምዝኾነ ካብ ብንጉሁ ተፈሊጡ ዝሕደረ’ዩ፣ ልምዓት ዓዲ ብወዲ ዓዲ ዝብል ምቑሉል አባህላ ብዙሕ ዘየደናግርን ዝተቐደሰ ተግባርን እኳ እንተኾነ እዚ ብመንገዲ ገበርቲ ሓደግቲ ሰበ ስልጣን ህወሓት ዝካየድ ዘሎ ናይ ልምዓት ምትእኽኻብ ፌስቲባል ናይ’ቲ ድኻ ወገን ረብሓን ጥቕምን ክረጋግፅ ይከአል’ዩ ኢልካ ምሕላም ግን ዝሕሰብ አይኮነን።
     ገለ ገለ የዋሃት ዲያስፖራ ብኲናት ንዝተሃሰየት ትግራይ ዳግም ንምህናፅ፤ ምዕብልቲ ሃገርን ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዝወፀ ህዝብን ንምርአይ ብምባል ገንዘብናን ፍልጠትናን አዋፊርና ንሕብረተሰብና ክንጠቅም ብዝብል ቅዱስ ሓሳብ ቅድም እንትብል ገለ ገለ ተወለድቲ  ንዝጀመርዎ ሰናይ ምንቅስቓስ ብስፍሓት ክሰርሕሉ ኢሎም ብምሓሳብ እኳ ናብ ሃገሮም ይአትው እንተሃለው ዝሓሰብዎ ትልሚ ተዓዊቱ እስካብ ናብ ስራሕ ዝአትው ዘሎ ናይ ቢሮክራሲ ሕልኽላኻት እስካብ ክንደይ አህላኺ ከም ዝኾነ፤ ነዚ ኩሉ ውፃእ ውረድ ሓሊፎም ይዕበ ይንአስ ትካላት ምስ ሃነፁ ድማ ፍርያቶም ናይቲ አብዝሓ ህዝቢ ናብራን ድኽነትን ዝልውጥ ዘይኮነስ መናውሒ ዕድመ ስልጣ እቲ ስርዓትን ንምሕባጥጁባ መራሕቲ ናይ’ቲ ክልልን ኮራኹሮምን  ዝግበር ዘሎ ሃተምተም ከም ዝኾነ ንምንም ዝተሰወረ አይኮነን።
     መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ ቀዲሞም ክትግብርዎ ዝነበሮም ዕማም ናብ ድሕሪት ብምምፃእ ነቲ ህዝቢ ከደናግርዎ ምሕሳቦም ብዙሕ ዘገርም አይኮነን ብስም ኢቨስትመንትን ሃገራዊ ልሞዓትን ሰፋሕቲ ንስራሕርሻ ዝውዕሉ ልሙዓት መሬት ንወፃእተኛታት ሰብ ሃብቲ ክሳብ 100 ዓመት ዝአክል ብኽራይ መልክዕ አሕሊፎም አብ ክንዲ ምሃብ አብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ንዝርከቡ ሰብ ሃብቲ ተወለድቲ ኢትዮጵያውያን ቀዳምነት ክህብዎም ምተገበአ፣ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ከም ዝበሃል ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ብባዕዳውያን ክውረር ምስ ተገብረ ደሓር ብዛዕባ ዲያስፖራን ተወለድቲ ሰብ ሃብቲ ሃገርና አመልኪትካ ምዝራብን ምውዕዋዕን ትርጉም ዘለዎ አይኮነን።
     አብ ዝሓለፉ ዓመታት አብ ከባቢ ጋንቤላን ካልኦት ከባቢታትን ሃገርና ንወፃእተኛታት የሕሊፎም ዝሃብዎ ሰፋሕቲ መሬትን ካልኦት ንይቲ ሃገር ሃብትን ብሰብ ውልቀ ሃብቲ ሃገርና ክዕመሙ እናተገበአ ሓላፍነት ዝጎደሎ ከቢድ ጌጋ ተፈፂሙ’ዩ ብምባል ገለ ገለ ብዛዕባ ሃገርና ይምልከተና እዩ ዝብሉ አብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ምሁራት፤ ተቃወምቲ ውድባትን ህዝብን ብጥብቂ ምቅዋሞም ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ቅድም ኢሉ ብተብተብ ዝተፈፀመ ታሪኻዊ ጌጋን ገና ብሕጂውን ክትግብርዎ ዝዳለውሉ ዘለው ሃገር ናይ ምዕናው መስርሕ ንምድብስባስ እምበር። አብ ሕዚ በፂሖም ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ናይ ምልማዕ ግቡእ አለዎም ኢሎም ዘካየድዎ ዘሎው ምልዕዓላት ቅድም እንትብል ንዝተፈፀመ ጌጋ ንምሽፍፋን ተባሂሉ ሕጅ’ውን ንነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ክነብሩሉን ህወቶም ክመርሑሉን ዝፀንሑ መሬት ኣሕዲካ  ንድያስፖራ ወገናት ህብካ ካብ ናይ ፖለቲካዊ ውድቀት ንምድሓን ብዝብል ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ሸቐጥ እምበር ሃገርን ህዝብን ንምጥቃም ተሓሲቡ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ።