Wednesday, February 18, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝርከቡ ኣካላት ፀጥታ ምስ ምቕራብ መረፃ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ንፁሃት ዜጋታት ኣብ ምእሳር ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣረዲኦም።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም  ከተማታት ፍኖተ-ሰላም፤ ጂጋ፤ ደምበጫ፤ ቡሬን ማንኩሳን ካብ 1/ለካቲት/2007 ዓ/ም ጀሚሩ ልዕሊ 14 ንፁሃት ዜጋታት ብኣምባገነን ስርዓት ኢህወደግ ዝተዋፈሩ ተልኣኣኽቲ ፌደራል ፖሊስ እናተሃድኑ ኣድራሽኡ ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ይዉሰዱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ኣቶ ኣንዱኣለም ዝተብሃለ ኣብ ከተማ ጂጋ ብስራሕ ንግዲ ዝመሓደር ዝነበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንዘካይዱ ዉድባት ዝልዓለ ሓገዝ  ገይሩ ብዝብል። ጨዉዮም ብምዉሳድ ዛጊት ሃለዋቱ ከም ዘይፍለጥ ኣረዲኡ።
ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ካብ ጃቢጠና ወረዳ ወርቅ-ኣምባ ካብ ዝተብሃለ ከባቢ ትምህርቶም ኣጠናቒቖም ስራሕ ዝፅበዩ ዝነበሩ ክልተ ብዲግሪ ዝተመረቑ  ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ብፌደራል ፖሊስ ተወሲዶም ኣድራሽኦም ከም ዘይፍለጥ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።