Wednesday, February 18, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ናይ ክልል፤ ዞባታትን ወረዳታትን ኣመራርሓ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝገበርዎ ናይ መረፃ ጎስጓስ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኩለን ወረዳታት ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ  ብዝብል ዛዕባ መረፃ ዝምልከት ናይ ተመዝገቡ ጎስጓስ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ግን ተወዳዳሪ  ዘይብሉ ንመን ክንመርፅ ኢና ንምዝገብ እኳ ድኣ ነዚ መረፃ ስዒቡ ተጋዲዱ ዘሎ ሽግር ሰናይ ምሕደራ እንተትቐርፍዎ ምሕሸኩም ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ዝተፋላለዩ ጣብያታት መረፃ ኣምረፅቲ ዝተመደቡ ሰባት ኣምሓደርቲ ጣልቃ እናኣተዉ ከስርሑና ኣይክኣሉን ብምባል ኣብ ወረዳ ባንጃ ቀበሌ ወትለሃ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣምረፅቲ ብገዛእ ፍቓዶም ካብቲ ስራሕ ከም ዘግለሉ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
  ኣብ ከተማ ባህርዳር ብ21ን 22ን ጥሪ 2007 ዓ/ም ኣብ ደቀቕትን ኣንኣሽቱን ንዝተዋፈሩ ናይ’ታ ከተማን ኣከባቢኡን መናእሰይ ኣብ’ቲ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ጉዳይ ውዳበ ኣቶ ጅብሪል ኣሕመድ ኣብ ኣደራሽ ሙሉኣለም ዝተመርሐ ናይ ምረፁና ኣኼባ እቶም መናእሰይ ረጊፆሞ ከም ዝወፁ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።
    ብተወሳኺ‘ዉን ብ24 ጥሪ 2007 ዓ/ም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ባህርዳር ንመንፈሳዊ ስብከት ዝኸዱ መምህር ዘነበ ዝርከብዎም መእመናን ብዛዕባ እቲ ስርዓት ሕማቕ ንከይጉስጉሱ ብምጥርጣር ኣብ ቤተክርስትያን እንዳ ጊዮርጊስ ብርክት ዝበሉ ፖላዊስ ምስኦም ኮፍ ኢሎም ከም ዝነበሩ እቲ ካብ ከተማ ባህርዳር ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።