Monday, February 16, 2015

ህዝቢ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ስልጣን ናብ ሓዱሽ ወለዶ ክስጋግር ኣለዎ ብምባል ነቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ መረፃ ከም ዝተቓወምዎ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



  ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ነበርቲ ጣብያ ቃፍታ ዝኾኑ ወገናትና ብኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ብ24 ለካቲት 2007 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንኣዜብ መስፍን ክትመርፅዋ ዲኹም ኣይትመርፅዋን? ዝብል ኣጀንዳ ከም ዝነበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ተኣካቢ ህዝቢ ድማ ይትረፍ ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ምረፅዋ እናተብሃልና ዘሰልቸወትና ኣዜብ፤ ንሕና እቲ ስርዓት ክቕየር እዩ ድሌትና ክብሉ ከም ዝተዛረቡ ተፈሊጡ።
     እዞም ነበርቲ ኣስዒቦም ሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ስልጣን ናብ ሓዱሽ ወለዶ ክነሰጋግሮ ኢና ካብ እትብሉና ዓመታት ተቖፂሩ ኣብ ተግባር ግን ንዓና ጥራሕ ምረፁ እናበልኩም ለውጢ ዝበሃል ስለ ዘይብልኩም ህዝቢ ብምስሉይ መረፃኹም ተስፋ ቆሪፁ ኣሎ”  ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም በብተራ እናተልዓሉ ተቓውሞኦም ዝገለፁ ተኣከብቲ ገለ ንምጥቃስ ድማ፦ ሃለቃ ይስፋው ፋንታይ፤ኣይተ ሹመንዲ፤ኣይተ ገብረስላሰን ካልኦትን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣመልኪቱ።