Wednesday, February 18, 2015

ኣብ ከተማ ጎንደር ጉጅለ ኢህወዴግ መመዝገቢ መረፃ ኢሉ ኣብ ዘዳለውዎ ቦታ ዝነበረ መሳርሒ ንብረት ጠፊኡ ከም ዝሓደረ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



ኣምባገነን ስርዓት ኢህወደግ ምስሉይ መረፃ ንምክያድ ላዕልን ታሕትን ይብለሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝርከብ መመዝገቢ ጣብያ መረፃ ዝነበረ  መሳርሒ ንብረት ከም ጠረቤዛን ወናብርን ካልኦት ናውቲ መመዝገቢ መረፃን ብ24 ጥሪ 2007 ዓ/ም ጠፊኡ ከም ዝሓደረ ተፈሊጡ።
    ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምስሉይ መረፃ እቲ ስርዓት ዝወስዶ ስጉምቲ እናተበራኸተ ይኸይድ ኣብ ዝለሉ እዚ ሕዚ ተገሩ ዘሎ ድማ ናሃቱ መቐፀልታ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ህዝቢ ሰሜን ጎንደር  ማሕበራዊ ሽግራትና ከይተፈትሐ ካርድ መረፃ ኣይንወስድን ኢሉ ናይ ተቓዉሞ ድምፁ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይዝከር።