Wednesday, February 18, 2015

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ሓደ ሓደ ከተማታት ብምኽንያት በዓል ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ህዝቢ ራዕድን ሽበራን ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ዝተኸበረ መዓልቲ ምክልኻል ሰራዊት መበገሲኡ ኣብ ዙርያ ጣና ካብ ጎንደር ጎራጎራ ገይሩ መዛዘሚኡ ምዕራብ ጎጃም ዝገበረ ብልዕሊ 8 ሄሊኮፕተራትን ዝተፈላለዩ ከበድቲ ብረታትን ዝተሰነየ ዝተገበረ ናይ ተኹሲ ልዉዉጥ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ እቲ ክልል ከቢድ ራዕድን ሽበራን ኣኸቲሉ ብምንባሩ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተቓዉሞ ንከየልዕል ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጉጅለ ኢህወዴግ ስግኣት ኮይንዎም ምህላው ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
    ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ገዛኢ ስርዓት ኢወዴግ ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ሓበሬታ ከይሃበን ቦታን ግዜን ከይፈለየ ብበዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝነበሩሉ ከባብታት ዘካየዶ  ናይ ከቢድ ብረት ተኹሲ ብምኽንያት መዓልቲ ምክልኻል ሰራዊት ተፍትሽ ብረት እዩ ብምባል ብሄሊኮፕተራት ዝተሰነየ በረርቲ ወረቐት ብምብታን ከማኻኒ ይፍትን እኳ እንተሎ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ግን ኣብ መንበሪና ሰላም ስኢንና፤ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ደቅና ተረቢሾም፤ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሱ ሕሙማት ተወሳኺ ሕማም ኮይንዎም ብምባል መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።