Monday, February 16, 2015

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ መምህራን ብሽም ስድራ ስውኣት ገንዘብ ከዋፃኡ በቲ ስርዓት ዝተዋሃበ ትእዛዝ ቅንዕና ዝጎደሎ’ዮ ክብሉ ከም ዝተቓወምዎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ኣስገደ ፅምብላን ታሕታይ ቆራሮን ዝርከቡ መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን ብሽም ስድራ ስውኣትን ደቂ ስውኣትን ገንዘብ ከዋፅኡ ብኣማሓደርቲ ትእዛዝ ከም ዝተወሃቦም ድሕሪ ምግላፅ እቶም ተኣከብቲ ድማ መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ፀኒሑ፤ መረፃ እንክበሃል ሓላዪ ስድራ ስውኣት መሲሉ ብምቕራብ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ’ዩ  ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።
      ኣስዒቦም እቶም ተኣከብቲ “ደቂ ስውኣትን ስድራ ስውኣትን ብመንግስቲ ስለ ምንታይ ዘይሕገዙ፤ ሽም ሰማእታት እናልዓልካ ንፖለቲካዊ ረብሓ ምጥቃም ይኣክል፤ ብሽም ስዉኣት ካብ ህዝቢ ዝዋፃእ ገንዘብ መሕበጢ ጁባ ካድረታትን መጠናኸሪ ትካላት እቲ ዉድብን ክዉዕል‘ምበር ንስድራ ስዉኣት ዝህቦም  ኣካል የለን” ብምባል ነቲ መምርሒ ከም ዝነፀግዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።