እዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ደብረ ብርሃን፤ ደብረ ማርቆስን ባህር
ዳርን ኣሸበርትን ፀረ ልምዓትን ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ተጠቂኖም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝርከቡ ዜጋታት ብካድረታት ብኣዴን-ኢህወዴግ
ብዝወርዶም ዘሎ ዘስካሕክሕ ማህረምትን ቶርቸርን ግዳይ ሞት ዝኾኑ ዜጋታትና ቁፅሮም ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም ግዳያት ቢሆነኝ ዝተብሃለ ዜጋ ኣብ
ኣዘዞ ቤት ማእሰርቲ ብዝወረዶ ማህረምቲ ክመዉት ምስበለ ከነሐክሞ ኢሎም ምሰ ኣዉፅእዎ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝተኣስሩ 3ተ ደቂ ኣንስትዮ
ዝርከባኦም 8ተ መንእስያት ብዝወረዶም ዘስካሕክሕ ደብዳብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ስለ ዝወደቑ ብ4 የካቲት 2007 ዓ/ም
ናብ ፈለገ ህይወት ሆስፒታል ክሕከሙ ኢሎም ወሲዶም ከየሐከሙ ስለ
ዝመለስዎም ኣብቲ ከባቢ ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ንኸምስሉ ዝገበርዎ እዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎ ፅልኣት ኣብ ምግላፅ
ከም ይርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ቅድም ክብል ኣባል መኢኣድ
ዝነበረን ሕዚ ድማ ናብ ሰማያዊ ፓርቲ ብምፅንባሩ ጥራሕ መምህር ፅጋቡ ብ5 የካቲት 2007 ዓ/ም ሰዓት 1፣00 ናይ ንጎሆ ብፌደራል
ፖሊስ ከም ዝተኣሰረ ተፈሊጡ።