Saturday, May 9, 2015

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ኣብ’ታ ከተማ ንዝቅሳቐሱ ዉድባት ቅንጅትን ኤደፓን ምስ ህዝቢ ንከይራኸቡ መእከቢ ኣደራሽ ከም ዝኸልከሎም ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ መፃኢ 16 ግንቦት ንሓምሻይ ግዜ ዝካየድ ሃገራዉን ክልላዉን ምስሉይ መረፃ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ንምስታፍ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ ዉድባት ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ጎስጓስ ብምክያድ ሰዓቢ ከይረኽቡ እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ሽርሕታት ብምፍፃም  ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ንምዉድዳር ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዉ ዉድባት ቅንጅትን ኢዴፓን ኣብዚ ቅንያት ህዝቢ ንምጉስጓስ መእከቢ ህዝባዊ ኣዳራሽ ኣብ ዝሓተትሉ ብካድረታት ህወሓት/ኢህወዴግ ከም ዝተኸልኡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብታ ከተማ ብዘሎ ፍታሕ ዝሰኣነ ምቁርራፅ መብራህቲ ብኤሌክትሪክ ዝንቀሳቐሱ ፋብሪካታትን ንግዳዊ ትካላትን ንከቢድ ክሳራ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ዕለታዊ ምግቢ መብሰሊ ስኢኑ ይፀገም ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ንብረታት ብሃንደበታዊ ምቁርራርፅ መብራህቲ ይቃፀል ኣብ ዘለሉ ሓላፍነት ወሲዱ ካሕሳ ዝህብ ኣካል ብዘይምህላዉ ህዝቢ  መረረቱ ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ  ተፈሊጡ።