ብዉድብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ዝተዳለወ እዋንዊ
መልእኽቲ ዝሓዘ ፋፕፍሌት ካብ 28 ናብ 29 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ከባብታት መናሃርያ፤
ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ካልኦት መንደራትን ኣብ ዝተበተነሉ ኩሉ እቲ ፋምፕሌት ኣብ ኢድ ህዝቢ ከም ዝኣተወ ዝፈለጡ ካድረታት
እቲ ስርዓት ብ29 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም መደበኛ ፖሊስን ፌዴራል ፖሊስን ኣዋፊሮም መንበሪ ገዛዉትን ክንቀሳቐስ ንዝረኸብዎ ሰብን
ዘይሕጋዊ ወረቐት ሒዝኩም ኣለኹም እናበሉ ኣብ ምፍታሽን ምዕግርጋርን
ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ብ29 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ከባብታት
መናሃርያ ማእኸል ከተማ ፒያሳን በዝሒ ቁፅሪ ዘለዎ ፋምፕሌት ተበቲኑ ኣብ ኢድ መላእ ህዝቢ እታ ከተማን ንዝተፈላለየ ስራሕ ናብታ
ከተማ ዝመፀ ነባሪ ገጠርን ከም ዝኣተወ ዘስተባሃሉ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ድማ ንነባሪ ህዝቢ ብ30 ሚያዝያ ኣብ ህፁፅ ኣኼባ ፀሚዶም
ወረቐት ዴምህት ሒዙ ዝተረኸበ ከቢድ ስጉምቲ ክንወስደሉ ኢና ምባሎም
ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ በቲ ዕለት ኣብ ከተማ
ሸራሮ ከባቢታት መናሃርያ፤ እንዳ መድሃኒኣለምን ምሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትን ካልኦት ቦታታትን እታ ከተማ ፋምፕሌት ዉድብ
ዴምህት ተበቲኑ ኣብ ኢድ መላእ ነባሪ ህዝብን ተማሃሮን ካልኦት ኣጋይሽን ዝበፀሐ እንትኾን ህዝቢ በቲ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት
ዉድብ ዴምህት ልዑል ተስፋ ኣሕድሩ ከም ዘሎ ዝተኣከበ ሓበሬታ የረድእ።