Saturday, May 9, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ዝርከብ ህዝብና ዝስተ ፅሩይ ማይ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ወዲቑ ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ዝርከብ ህዝቢ ዝስተ ፅሩይ ማይ ስኢኑ ፅሬቱ ዘይሓለዉ ረሳሕ ማይ ክሰቲ ይግደድ ብምህላዉ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንዘይተደለየ ማይ ወለድን ካልኦት ሕማማት ይቃላዕ ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ነባሪ ሕብረተሰብ ብወገኑ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓመታት ዘቑፀረ ከቢድ ናይ ዝስተ ፅሩይ ማይ ፀገም ንኽፍትሓሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ዋላ’ኳ እንተኣቕረበ ፍታሕ ዝህብ ስለ ዘይተረኸበ ህዝቢ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።