ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ እቲ ስርዓት” ኣብ መፃኢ ንዝካየድ መረፃ ንመጎስጎሲ ተባሂሉ ብገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተለጠፈ ምልክት ንህቢ ዝሓዘ
ፖስተር ቀዲድኩም ብዝብል ዘይቅኑዕ ምኽኒት
ዜጋታት ብኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ኣብ ኣኼባ ይፅመዱን ይእሰሩን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
እዞም ዝተኣሰሩ ዜጋታት ነቲ ፖስተር ከም ዝቐደድና መርትዖ ኣቕርቡልና
ወይ ድማ ፍትሑና፤ ስልጣንኩም ተጠቒምኩም ብዘይ ወዓልናዮ ገበን ኣይትእሰሩና ዝብል ጥርዓን የቕርቡ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም
ሓሳቦም ዘቕረቡ ዘለዉ እሱራት ድማ ኣይተ ገመቹ፤ ኣይተ ያሲን ኣበራን ካልኦትን ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።