Tuesday, May 12, 2015

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዝርከቡ ተማሃሮ ካልኣይ ብርኪ ብኣባላት ፀጥታ ዴህዴን/ኢህወዴግ እናተገደዱ ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



    ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ፤ ወረዳ ሰሜን ቤንች ማጂ ዝርከቡ ተማሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብኣባላት ፀጥታ ዴህዴን/ኢህወዴግ እናተገደዱ ትምህርቶም ኣቋሪፆም ብሓላፊ ፍትሕን ፀጥታን ናይቲ ወረዳ  መኮነን ሃቢዦ ዝተብሃለ ላዕለዋይ ካድረ ናይቲ ስርዓት ዝተመርሐ መድረኽ ኣብ ናይ ፖለቲካ ጎስጓሳት ይውዕሉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
    ብፍላይ ካብተን ኣብቲ ወረዳ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ  ደገፍትና ዘይኮኑ ተማሃሮ ዝሓዘት እያ ኢሎም ዝጠርጠርዋ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዋቻሞ  ካብ 27 ሚያዝያ 2007ዓ/ም ተማሃሮ ብተኸታታሊ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኣኼባ ፀሚዶምዎም ከም ዝውዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሃገራውን ክልላውን መረፃ “ተቓወምቲ ውድባት መማራፂ ፖሊሲ ስለ ዘይብሎም ንደህዴን/ኢህወዴግ ክመርፁ ከም ዘለዎም፤  ብተቓወምቲ ውድባት ኣብ ዝልዓል ዓመፅ ተሳተፍቲ ክኾኑ ከም ዘይብሎም፤ ንዝፍጠር ናይ ፀጥታ ፀገም ድማ ምስ ፖሊስ ምትሕብባር ክገብሩ ከም ዘለዎም መምርሒ ድሕሪ ምሃብ እንተኾነ ግን እቶም ተማሃሮ “ትምህርትና ከይነፅንዕ ስለ ምንታይ ኢኹም ኣብ ኣኼባ ፀሚድኩምና፤ ናይ ፈተና ግዜ ይበፅሐና ስለ ዘሎ ክነፅንዕ ግደፉና፤ ኣብ ፖለቲካ የለናን፤ ደሓር እንተወዲቕና ቆላሕ ኢሉ ዝርእየና ናይ መንግስቲ ኣካል የለን “ብምባል ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።