እዞም ላዕለዎት መኮንናት
እቲ ስርዓት ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡን ድሕሪኡን እትሒዞም ከገልግሉ
ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ናይ ትምህርቲ ዓቕምኹም ትሑት እዩ፤ ግዕዝይና ትፍፅሙ ኢኹም ብዝብል ምኽኒያት ካብ ሓላፍነቶም
ተኣልዮም ናብ ካልእ ስራሕ እንትምደቡ ንቦትኦም ድማ ብድግሪ ብዝተመረቑ ሑፁያት መኮነናት ይትክእዎ ምህላዎም ካብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት
ምንጭታትና ገሊፆም።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እዞም ሓደሽቲ መኮንናት እቲ ስራሕ ብሰነ ሓሳብ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ብተግባር ሰሪሖሙሉ ስለ ዘይፈጡ ክመርሑና ዓቕሚ የብሎምን
ክብሉ ካብ ተራ ወተሃደራት ክሳብ መኮንናት ዝርከቡ ወተሃደራት ዘቕርብዎ ዘለው ጥርዓን ሰማዒ ሰለ ዝሰኣኑ ኣብቲ ስርዓት ዘለዎም
እምነት ካብ እዋን ናብ እዋን እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ተፈሊጡ።