Thursday, May 14, 2015

ላዕለዎት ሓለፍቲ ማእከላይ እዝ ወተሃደራት ስርዓት ኢህወዴግ ንግዕዝይናን ምጥፍፋእን ዝምልከት ኣብ ፅዑቕ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝቐነዩ ተገሊፁ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  እዞም ላዕለዎት ናይ ማእከላይ እዚ ሓለፍቲ ዝኾኑ ወተሃደራት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሰራዊት  ዝፍፀም ዘሎ ብልሽዉና ክፍወስ ብዘይ ምኽኣሉ ካብ ታሕቲ ካሳብ ላዕሊ ዝርከቡ መኮንናት ናይ ህዝቢ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ምጥፍፋእ ሰለ ዘለዉ ከም ውፅኢቱ ድማ  እቲ ምክልኻል ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምውዳቑ  ዘስገኦም ሓለፍቲ  እቲ ሰራዊት ኣብ ፅዑቕ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝቐነዩ  ተፈሊጡ።
     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ሰራዊት ካብ ዝርከቡ ወተሃደራት  ኣብ  ወርሒ መጋቢት ጥራሕ  ብዘይኣግባብ ካብ ደሞዎዞም ዝተቖረፀ  31 ሽሕ ብር  ብናይቲ እዚ ሓላፊ ፋይናንስ ከም ዝተጠፋፈአ  ከምኡ’ዉን ናይቲ እዝ ነዳዲ እናሸጡ ብዘይ ኣግባብ  ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ዘውዓሉ መኮንናንት ንኽፍለጡ ዝተገበረ ኣኼባ እኳ እንተነበረ ንምቅልዑ ድፍረት ሰለ ዘይረኸቡ ብዘይ ሓደ ፍረ ከም ዝተበተነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።