ዝበፅሐና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ክልል
ኣምሓራ ከባቢ ጎንደር ፍሉይ ሽሙ ዲቢያ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዝነብር ሕብረተሰብ ብካድረታት ናይቲ ስርዓት ንክልተ መዓልቲ ዝኣክል
ናይ ግዴታ ኣኼባ ከም ዝተገብረሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ መንእሰያት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ውድባት ብበዝሒ ይኸዱ ኣለዉ ዝብል
ገምጋም ስለ ዘለዎም ሕድሕድ ገባር እናልዓሉ ውላድካ ኣበይ ኣሎ? እናበሉ ከፈራርሑዎም ከም ዝወዓሉን ንቐፃሊ‘ውን ውላዱ ናበይ ከም
ዝኸደ እንተዘይ ፈሊጡ ኣብ ልዕሊ መራሒ ስድራ ዘድሊ ስጉምቲ ክዉሰዶ እዩ እናበሉ ከፈራርሕዎም ምዉዓሎም ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተወላዲ ናይቲ ከባቢ ብስራሕ ምኽንያት ናብ ካልእ
ቦታ እንትንቀሳቐስ ንናይ ቀበሌ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ክኸይድ ከም ዘለዎ መምርሒ ከም ዘውረዱን ድሮ ተግባራዊ ንምግባር እናፈረምዎ ከም
ዝርከቡን ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።