Tuesday, May 12, 2015

ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ተመዝጊቦም ንመረፃ ዝወዳደሩ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ዝኾኑ ወገናት ብኣባላት ፀጥታ ናይቲ ስርዓት ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለፅዎ ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ዞባ ቤንች ማጂ፤ ከተማ ሚዛን ተፈሪ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ሰማያዊ ፓርቲ ዝኾኑ ወገናት እቲ ስርዓት ብገንዘብ  ኣታሊሉ ብዘዳለዎም ናይ ሓሶት መሰኻኽር ተጠቒሙ ብምምስካር ብዘይወዓልዎ ገበን እናጠቀነ  ኣብ ምእሳር ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም ዝተኣሰሩ ሓደ መምህር ኣበበ ይልማ ዝተብሃለ ናይቲ ከተማ  ርክብ ህዝቢ ዝኾነ ወገን ምስ ኣሸበርቲ ርክብ ኣለካ ተባሂሉ ብ18 ሚያዚያ 2007 ዓ/ም ብፌደራል ፖሊስ ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቤንች ማጂ ተዳጒኑ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ወድብ ሰማያዊ ፓርቲ ዝወርድ ዘሎ ናይ ማእሰርትን ምንግልታዕን ተግባር በቲ ስርዓት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።