ሒዝናዮ አብ ዘለና
ግንቦት 2007 ዓ/ም በገዛኢ መንግስትን ተቓወምቲ ፓርትታትን ዝተኻየደ ሃገራዊ ክልላውን መረፃ እኹል ምድላው ከም ዝተገብረን
ቦርድ መረፃ ድማ ብላዕለዋይነት ንኽመርሕ ዘኽእሎ ኩሉ ዓይነት
ነቲ መረፃ ዘገልግሉ መሳለጥያታትን ናውትን ከም ዝገበረ ናይቲ ገዛኢ ጉጅለ ልሳን ዝኾና ናይ ሚድያ መሳርሕታት ክገልፃ
ፀኒሐን’የን።
ነዚ ስዒቡ ድማ ልክዕ
ከም ዝሓለፉ መረፃታት ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ፓርትታት ውሽጣዊ ምክፍፋል፤ ዘይምርግጋእን ካብ ዝሓለፉ ናይ መረፃ ተሞኩሮታትን
ናይቲ ስርዓት ባህርን ብምብጋስ ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ሕቡእ ኢድ ኣእታውነት ከም
ዝነበርዎ ንምትባዩ ዘፀግም ኣይነበረን።
ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ኣብቲ ዝተኻየደ መረፃ ዝገበርዎ ቅድመ ምድላው ኣብ ትሕቲ ገዛኢ ፓርቲ ፅዑቕ ክትትል ከይኖም ከም
ዘካየድዎ ዝፍለጥ ኮይኑ ተቃወምቲ ውድባት ይበፅሖም ዝነበረ ፅዕንቶ ተፃዊሮም ስራሕቶም ንምስላጥን ብርቱዓት ተነሓናሕቲ ኮይኖም ንኽወዳደሩ ከኽእሎም ምእንቲ ውሕደት ኣብ ምፍጣር ብዘድሊ ፍጥነት
ይጓዓዙ ከም ዘይነበሩን ኣብቲ ዝተካየደ መረፃ’ውን እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዓብይ ግምት ዝወሃቦም ከም ኣንድነት፤ መድረኽ፤
ሰማያዊ ፓርትን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ተቓወምቲ ውድባት በቲ ገዛኢ
ፓርቲ ተደጋጋሚ ፀገማት ይበፅሖም ከም ዝነበረን እዚ ተግባር ድማ ኣብ እዋን’ቲ መረፃ ከይተረፈ በዝኸፍዐ መልክዑ ከም ዝተርኣየ
ይፍለጥ።
ህዝብታት ሃገርና ካብ ዝሓለፉ ናይ መረፃ እዋን ብዝተፈለየ መልክዑ
ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ብስለቶም ዝሰፍሓሉን ብዝተፈላለዩ ናይ ሚድያ ማዕኸናት ዝፍነው ዝተፈላለዩ ክትዓት፤ ብናይ ውልቂ ፕሬሳት
ዝሕተሙ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ፅሑፋት፤ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ሊሒኾም ዝወፁ ዝተፈላለዩ መረዳእታታትን ሰነዳትን እቲ ሕብረተሰብ ኣማራፂ
ምንጭታት ረኺቡ ብዝሓሸ መንገዲ ነቲ መድረኽ ኣብ ዝግምግመሉ ኩነታት እኳ እንተሃለወ። እቲ ስርዓት ብዝዘርገሖ ናይ ዓፈና
መርበቡ ምኽንያት እቲ ዝተካየደ መረፃ ነፃ፤ ፍትሓዊ፤ ተኣማንን ዴሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ክካየድ አይከአለን።
ስለዝኾነ ድማ- ህብረተሰብና እቲ ዝተኻየደ መረፃ በቲ ገዛኢ ፓርቲ
ዝተለምደ ምጭብርባራት ከም ዝተጠቓለለ ፈሊጡ ልኽዕ ከም ዝሓለፉ እዋናት ብስቕታ ክሪኦን አብ ልዕሊኡ ብዝፍፀሙ ናይ ምፍርራሕ
ስጉምትታት ከይተንበርከኸ ክሳብ መወዳእታ ናይ ለውጢ ሃዋርያነቱ
ብዝተጠናኸረ መንገዲ ንቕድሚት ክቕፅለሉ ይግባእ።
ህዝብና
መንግስቲ ዘካይዶ ግህሰት መሰል፤ ኣድልዎን ግዕዝይናን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን ኢዱ ብምእታው
ዝፍፅሞ ዘሎ በደል ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥ እቲ ስርዓት ዓቕሚ ዘለዎ እኳ እንተመሰለ ውሽጣዊ ትሕዝትኡ ግን ባዶ፤ ደጋፊ ዘለዎ
እኳ እንተመሰለ በዝሒ ኣባላቱ ብጥቕምን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ስምዒት ዝአተውሉ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ካብ ሕወሓት
ወፃኢ ዘለው ካልኦት ፓርትታት ብዓይኒ ፅልኢት ጥርጣረ ምርአዩን መብዛሕትኡ ናይ ስልጣን እርከናት ጠቕሊሉ ብምሓዙ ኣብ ዓይኒ
እተን ኣጋር ውድባት ንኽአቱ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።
ንምጥቕላል- ንቕሓት ህሊና ናይቲ ማሕበረሰብ ኣብ ዝወሰኸሉን እቲ
ገዛኢ ፓርቲ ጭቡጥ ብዘይኮኑ ሓበሬታታት ንህዝቢ እናወንጀለ ኣብ ዘለወሉን መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዝፍፅሞም ግህሰት መሰል ብዝበአሰ
መልክዑ እናቐፀለ ኣብ ዘለሉ ኩነታትን እቲ ዝተካየደ መረፃ ብናይ ኢህወደግ ዓወት ክጠቓለል’ዩ ኢልካ ዝዝረበሉ ኣይኮነን፣ እንተኾነ
ግን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ብመረፃ ዋላ እተተሰዓረ ስልጣኑ ንምግዳፍ ፍቓደኛ ስለ ዘይኾውን እቲ ድምፁ ዝተሰርቀ ህዝቢ ንዓኹም ኣይመረፅኩን
ኢሉ ተቓውምኡ ከስምዕ ትፅቢት ይግበረሉ።
ምኽንያቱ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ውፅኢት ናይቲ መረፃ ብፀጋ
ተቐቢሉ ንመፃኢት ኢትዮጵያ ቅንዕና ብዘለዎ መንፈስ ነቲ መረፃ ብውልቀ ጥቕሚ ዘይኮነስ ድምፂ ህዝቢ ንክኽበር ልባዊ ድልየት ስለ
ዘይብሉ ናይ ግድን ድምፁ ከስምዕ ይግብኦ።