Wednesday, December 16, 2015

"ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ስርዓት ተጠቃዒ እምበር ተጠቃሚ ኣይኮነን" 2ይ ክፋል



መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ ንኢንቨስትመንት ነተባብዕ ኢና ልምዓት ክቀላጠፍ ንሰርሕ ኢና ክብሉ እዮም ዝስምዑ እቲ ሓቂ ግን ብግልባጡ ካብዚ ዝራሓቐ ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ንኣብነት ፋብሪካ ራያ ቢራ ንኸይምስረት ተዓጢቖም ተረባሪቦም እዮም። ብቐጥታ ዘይኮነን ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ሼር ንኸይገዝኡ ትእዛዝ ኣማሓላሊፎም እዮም።

ኣቶ ዳዊት ድማ በዚ ህልኽ እዮም ሼር ክገዝኡን ክውዳእን ዝገበሩ። ንመስረትቲ ራያ ቢራ ኣብቲ ከባቢ ኣድላይ ዝኾነ ፋብሪካ ጠርሙዝ ከም ዘሎ እዩ ተነጊርዎም ነይሩ። እዚ ግን ክሳብ ሎሚ ኣይተሰረሐን። ገንዘብ ህዝቢ ሒዘሞ እዮም ኮፍ ኢሎም ዘለዉ። ስለዚ እዚ 1.8 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝተገብረሉ ፋብሪካ ራያ ቢራ ንኽስራሕ ኣይደለዩን ነይሮም።

መራሕቲ ህወሓት ነዚ ክንድዚ ዝኣክል ተቓውሞ እንተርእዮም ካልእ ኸ ክስራሕ ይፈቕዱ ዶ? መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንታይ ዝተመስረተ'ዩ። ኣታዊኡ ካበይ'ዩ? መብዛሕትኡ ካብ ሕርሻ 'ዩ። ካብ ሕሞራ ብዝተረፈ ድማ። ንሕርሻ ዝውዕል መሬት የለን ፋብሪካን ማዓድንን 'ውን ኣብ ትግራይ የለን።

ምናልባት ኣብ ከተማ መቐለ ሓሓሊፎም ዝራኣዩ ቪላታት ዝራኣየ ሰብ መቐለ ዓብያ ተወንጪፋ ክብል ይስማዕ እዩ። እዞም ቪላታት እዚኦም ግን ብዲያስፖራ ዝተሰርሑ እዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ ብሰበስልጣን ህወሓትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተሰርሑ እዮም። ተመሳሰልቲ ቪላታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 50 60 ሽሕ ብር ዝካረዩ እዮም። መቐለ ግን 3 ሽሕ 4 ሽሕ እዮም ዝካረዩ። ንሱ 'ውን ተኻራዪ እንተተረኺቡ እዩ። ነዚ ንምኽፋል ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ነባሪ ህዝቢ ድማ የለን። ኣታዊ የለን።

ኣቶ ዳዊት ነዚ ስርዓት ኣብ ምምስራት ተሳታፊ ነይሮም። ሓየት ዝተባህለ ሓደ ሓዎምን ርግበን ኣልማዝን ዝባሃላ ክልተ ኣሓቶምን ድማ ኣብቲ ቃልሲ ከፊሎም እዮም። ካብ ቤተሰቦም 'ውን ብዙሓት መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ስለዚ ኣቶ ዳዊት ህወሓት ዝተበገሰሉ ዕላማ ስሒቱ እዩ ዝብል ቅዋም ዶ ኣለኩም ዝብል ሕቶ 'ውን ቀሪብሎም ነይሩ። ብርግፅ ስሒቱ እዩ ብዝብል ተሪር ሓሳብ ድማ መልሲ ይጅምሩ።

ንኣብነት ኣቶ ዳዊት ኣብ ድህረ ገፅ ዓይጋ ፎሩም ቀሪቦም ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ምስ ተዛረቡ ህዝቢ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ክንርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ትግራይ ከቢድ ስምዒት ተፈጢሩ'ሎ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ትግረዋይ ዘሎ መተንፈሲ ዝሳኣነ ስምዒት ብመንገዲ ኣቶ ዳዊት ስለ ዝተቓልሐ ሓቁ ዝብል ከቢድ ስምዒት'ዩ ተፈጢሩ።

ብዝኾነ ብዛዕባ እቲ ቃልሲ እንተልዒልና ምናልባት ኩሉ ብረት ዝተሸከም ተቓሊሱ'ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ንሜዳ ዝወፀ ሰለስተ ዓይነት ህዝቢ እዩ። ሓደ ግፍዕታት ደርጊ ኣንገፍጊፍዎ ካብኡ ንምህዳም ክብል ሜዳ ዝወረደ 'ሎ። እቲ ካልኣይ ዓርኩ ስለ ዝኸደ ከም ፋሽን ቆፂርዎ። እቲ ሳልሳይ ድማ ነቲ ዕላማ ኣሚንሉ ደርጊ ብቃልሲ ክውገድ ኣለዎ ዝብል መትከል ሒዙ ዝወፈረ እዩ።

 ህወሓት ንደርጊ ስዒሩ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ሓደ ካብቲ ሓደ ትፈልየሉ ዕድል ኣይነበረን። ኣብ ውሽጢ ዓውደ ኲናት እንተኣቲኻ ድማ ቀቲልካ ኢኻ ባዕልኻ ተድሕን ወይ ድማ ክትቅተል ኢኻ። ስለዚ እቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ክኸፍሎ ከለኹ እቲ ሓደ ተቓሊሱ እቲ ሓደ ኣይተቓለሰን ማለተይ ኣይኮንኩን ኩሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። እናዘራረበና ዘሎ ግን ናይ ዓላማን ናይ እምነትን ጉዳይ እዩ።
ድሕሪ እዚ ኣብ ሃገር እንትትምለስ ግን ነቲ ቃልሲ ኣሚንሉ ዝኣተወ። ነቲ ህዝቢ ናብ ዝሐሸ ደረጃ ከምፅእ። ህወሓት ኣብ ዝተመስረተሉ ዕላማ ፀኒዑ ዝተመልሰ እንተሃልዩ ሕዚ 'ውን ብእምነቱ ዝፀነዐ ተቓላሳይ ህዝቢ እዩ። እቲ ካልእ በፅባፂ መን'ዩ ኢልና እንተሓቲትና ግን ከተማ ምስ ኣተወ ቤተሰቡ ንምድርጃው ዓሊሙ ዝቃለስ ዝነበረ ህዝባዊ ዕላማ ዘይነበሮ እዩ።

እቶም ሕዚ ኣብ ስልጣን ንርእዮም ዘለና ድማ ካብቶም ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮም ካብ ሰለስቲኦም ካብቶም ክልተ እዮም። ንውልቃዊ ክብሮም ክብሉ ድማ ዝተዋሃቦም ሓላፍነት  ገዲፎም ናይ ባዕሎም መንነት ከዕብዩን። ውልቃዊ ካዝነኦም ክመልኡን ኣብ ምጉያይ ንርእዮም ኣለና። ትግራይ ንምግልጋል እኮ ናይ ትምህርቲ ደረጃ 'ውን ኣየድልዮን። ኣብዚ ሕዚ ግዜ ሰበ ስልጣን ትግራይ ኮይኖም ዘለዉ ድማ ኣየንኦም ነይሮም እንተተባሂሉ ካብቶም ሰለስተ እቶም ክልተ እዮም ክብል እደፍር። እንተዘይኮኑ ንህዝቢ ዝጠቅም ጠፊእዎም ኣይኮነን።

ብሓፂሩ እዞም ሕዚ ንትግራይ ዝሓማዙቑዋ ዘለዉ ሰብ-ስልጣን እንታይ ዓይነት ሰባት እዮም? ብመሰረቱ ኸ ካብ ፈለማ ኣንፃር ደርጊ ንምቅላስ በረኻ እንትወፁ ንህዝብን ሃገርን ክረብሑ ኢሎም ድዮም ወፅዮም እንተተባሂሉ ኣይፋሉን። ናብዚ ሕዚ ዘለውዎ ናይ ስልጣን ቦታ ናይ ምብፃሕ ሕልሚ ስለ ዝነበሮም ጥራሕ እዮም እንተበልና ኣይተጋገናን። ናይ እማን ንህዝቢ ሓልዮም ወፅዮም እንተዝነብሩ ምእንተ ህዝቢ ክሰርሑ ምራኣና። ሕዚ ዝስራሕ ዘሎ ግን ብግልባጡ ኣንፃር ህዝብን ሃገርን ዝቐነዐ ተግባር ኢልና ኢና ክንድምድሞ ንኽእል።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ኣቶ ዳዊት ኣብዚ መደምደምታ ክበፅሑ ዝኻኣልሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊኦም ብዝበፀሐ በደል ተሰሚዕዎም ዶ ይኸውን ወይስ ናይቲ ስርዓት መግለፂ ንሱ ስለ ዝኾነ እዩ ዝብል ሕቶ ምልዓልኩም ኣይተርፍን እዩ። ኣይተ ዳዊት ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ይምልሱ።

                                

ኣብ ልዕለይ ዝበፀሐ በደል እሞ ብጭቡጥ ኣፈይ መሊአ ክዛረብን ኣብ እምነተይ ፀኒዐ ነቲ ስርዓት ክቃለሶን ዳኣ ገይሩኒ እምበር። ዝሰምዖ ዘለኹስ ብዙሕ እዩ። ብኸምዚ ምኽንያት ድማ እዮም ብዙሓት ኢንቨስተራት ንትግራይ ከም ናይ ኢንቨስትመንት ቦታ ዘይመርፅዋ። እንታይ ዓይነት በደል ስለ ዝበፅሖም እዮ ንዝብል ግን ንዝያዳ መልሱ ንባዕሎም ምሕታት ይካኣል እዩ።

ኣብ ትግራይ ከይዱ ጀሚሩ ወይ ኣቋሪፁ ዝወፅእ እንተዘይኮይኑ። ዝተማዓራርየ ኩነታት ኣጋጢሙኒ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል ኢንቨስተር የለን። እዚ ድማ ብተባህለ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ልዕለይ ዘጋጠመ ከም ሓደ መርትዖ ገይረ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ንምዃኑ ግብረ ሰናይ ዝኣመሰለ ድርጅት ክቕበል ዘይኽእል መንግስቲ ነየናይ ኢንቨስተር እዩ ክቕበል ዝኽእል?

ክቡራት ሰማዕትና ኣቶ ዳዊት ትኽክል ኣሎ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ክልል ትግራይ መፅዩ ኢንቨስት ክገብር ዝደሊ በዓል ሃፍቲ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት እንተዘይኮይኑ ንትግራይ ክመርፃ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ እዚ ኣሳሪ ዝኾነ ሓደ ንሓሙሽተ ዝብሃል እቲ ስርዓት ዝዘርገሖ ጥርናፈ ነቲ ህዝቢ ሓልይሉ ዘይኮነስ። ከመይ ገይርና ኣሲርና ንሓዞ ተባሂሉ ዝተማህዘ ሜላ እዩ። ኣፉ ከይዛረብ። ዴሞክራስያዊ መሰሉ ከይጥቀም። ንኽዕፈን ዝገብር እዩ።

ብመሰረቱ ብሓደ ሓደ ለዋሃት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሰላም ኣሎ ዝባሃል ዘረባ ሓሶት'ዩ። ሰላም ዝባሃል የለን። ሰላም እንተዝህሉ በብቀበሊኡ ብረት ተዓጢቖም ዘለዉ ምልሻታት ካብ ኣየናይ ፀላኢ ከድሕኑና እዮም? ምሸት ምሸት ንሰላማዊ ነባሪ ህዝቢ ኢድካ ንላዕሊ እናበሉ ራዕዲ ዝፈጥሩ ዘለዉ? ወይ ኣነ እንተዘይሃልየ ሰላም የለን ብምባል ኣፈራሪሑ ንምግዛእን ህዝቢ ናቱ ፅግዕተኛ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

ስለዚ ትግራይ ንመንበሪ ይኹን ንናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ ተመራፂት ኣይኮነትን። እዚ ግን እቲ ስርዓት ዝፈጠሮ ፀገም ዳኣ እምበር መሬት ትግራይ ፀገም ስለ ዘለዎ ኣይኮነን።
                               
                                                                           ብኢንቨስተር አቶ ዳዊት ገብረ እግዚአብሔር