Wednesday, December 16, 2015

"ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ስርዓት ተጠቃዒ እምበር ተጠቃሚ ኣይኮነን" ቀዳማይ ክፋል



ኣቶ ዳዊት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኢንቨስትመን ስራሕቲ ተዋፊሮም ምስ ዕንቅፋታት ናይቲ ስርዓት እናተጋፈጡ ህዝቦምን ሃገሮምን ንምጥቃም ኣብ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ ዘለዉ ኢንቨስተር እዮም። እቲ ሓደ ናይ ኢንቨስትመን ስርሖም ድማ ራያ ቢራ እዩ። ኣቶ ዳዊት ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ናይ ኢንቨስትመንት ምንቅስቓስ እንታይ ከም ዝመስል። መራሕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢንቨስተራት ዘለዎም ኣመለኻኽታን ምዕሩይ ናይ ኢንቨስትመን ባይታ ኣብ ምፍጣርን ዘለዎም ቅሩብነት።

ብሓፈሻ ድማ ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ማሕበራዊ መነባብርኡን ኣመልኪቶም ምስ ጋዜጣ ሪፖርተር ሕታም ቁፅሪ 1596 ሰፊሕ ቃለ መሕተት ኣካይዶም ኣለዉ። ንሕና 'ውን ዘልዓልዎ ዛዕባ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ጋዜጣ ሪፖርተር ከንብቡ ዕድል ንዘይብሎም ሰማዕትና ተርጒምና ብክፋላት ክነቕርቦ መሪፅና ኣለና ሰናይ ምክትታል።

ኣቶ ዳዊት ብዛዕባ ስርሖም ምልላይ እንትጅምሩ። "ናይ ስራሕ ቢዝነስ የካይድ ኣለኹ እምበር ኣትሪፈ ክብል ኣይክእልን" ብምባል እዮም ዝጅምሩ። እቲ ሓደ ናይ ኢንቨስትመንት ስርሖም ራያ ቢራ እዩ። ንሱ 'ውን ገና ንትርፊ ኣይበፀሐን። ኣትራፊ ዝባሃል መኽሰብ እንትረክብ ጥራሕ እዩ። ኣቶ ዳዊ ከም ኣገላልፀኦም ካብ ቢዝነስ ዝበለፀ ደስታ ዝፈጥረሎም ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕ እዩ። 

ዳዊት ግብረ ሰናይ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ወለዲ ዘይብሎም ዘኽታም ህፃናት ብሓላፍነት ተረኪቡ ኣብ ምዕባይ ይርከብ። ቤት ትምህርቲ ይሰርሕ። ድጎማ ይገብር። ቤተ ክርስትያን ይሰርሕ ወይ ድማ ይፅግን። ቀንዲ ዕላምኡ ግን ናይ ትግራይ ቋንቋ ባህልን ታሪኽን ዝፅናዓሉን ዝምዕብለሉን መንገዲ ከማዓራሪ እዩ ድሌቱ። እንተኾነ ግን ኣቶ ዳዊት ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ መቐለን ኣኽሱምን ዓድዋን ምንቅስቓስ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ ብካድረታት ህወሓት ማሕለኻታት ከም ዝገጠሞም እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ መቐለ ናይ ቋንቋን ባህልን ቤት ትምህርቲ። ከምኡ 'ውን ናይ መናእሰይ መዘናግዒ ማእኸል ክሰርሑ። እቲ ናይ ዓድዋ ፕሮጀክት ምስ ዓወት ዓድዋ ዝተታሓሓዘ ሙዜም ንምስራሕ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣኽሱም ካብ ዘሎ ታሪኽ ኣንፃር ድማ ኣብ ናይ ጥንቲ ፍልስፍናን ቅርስን መፅናዕትን ምርምርን ንምግባር ዝዓለም ሰፋሕቲ ፕሮጀክታት ሓንፂፆም ምንቅስቓስ ጀሚሮም።

ነዚ ዘላዓዓሎም ቀንዲ ምኽንያት ድማ። ሓደ እዋን ናብ መቐለ ከይዶም ኣብ ዝነበርሉ ኣጋጣሚ መንእሰይ ግዚኡ ከመይ ከም ዘሕልፎ ዝተዓዘብዎ ተስፋ ዘቑርፅ ትዕዝብቲ እዩ። እቲ ሓደ ናይ መናእሰይ መውዓሊ ቦታ ቡና ቤት'ዩ። ቀፂሉ ከራምቡላ ቤት። እቲ ካልእ ድማ ንዝባኣሰ ማሕበራዊ ቅልውላው ዝዕድም ባር ቤት እዩ። መንእሰይ መቐለ ኣብዞም ቦታታት እዚኦም እዩ ግዚኡ ዘሕልፎ።

እቲ ካልእይ ቋንቋና ብዝምልከት ዘሎ ውድቀት'ዩ ኣላዓዒልዎም። ኣብ ሕድሕድ ዱንኳን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ተፃሒፉ እዮም ተዓዚቦም። ብኣምሓርኛ ክፃሓፍ ዝተመርፀሉ ምኽንያት ድማ ንኣቶ ዳዊት ክርደኦም ኣይካኣለን። እታ ሃገር ኩላ ብኣምሓርኛ ክትፅሕፍ ኣለዋ ዝብል ፖሊሲ ኣይራኣኹን ድማ ይብሉ።

ትግራይ ባዕሉ ዝኻኣለ ክልላዊ መንግስቲ'ዩ። ህዝቢ ትግራይ ዝተቓለሰሉ ዕላማ 'ውን ዕቤትን ምዕባለን ቋንቋና ንምርግጋፅ እዩ ይመስለኒ። ስለዚ ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ ናይ ባዕሉ ቋንቋ እዩ። ሎሚ ኣብ ትግራይ ንርእዮ ዘለና ተግባራት ግን ምስ ዕላማታት ናይቲ ቃልሲ ዝፃረሩን ዝጋጨዉን እዮም።

ኣቶ ዳዊት ካብዚ ተበጊሶም እቲ ናይ መቐለ ፕሮጀክት ብመልክዕ ሓሳብ ተቐሪፁ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቦም ቦታ ድሕሪ ምምራፆም። መራሕቲ ህወሓት ኣይንፈራረምን ዝብል ተቓውሞ ኣልዒሎም። ሰሪሕኹም ንዓና ዘይተረክቡና እንተኾይንኩም ኣይንፈቅድን" ዝብል ተቓውሞ።

ዕላማ ኣይተ ዳዊት ግን እቲ ፕሮጀክት ሰሪሖም በቲ ዝሓንፀፅዎ ዕላማ መሰረት ኣብ ረብሓ ህዝቢ ንኽውዕል ምእንቲ። ባዕሎም ከማሓድርዎ ዳኣ እምበር። ሰሪሖም ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ከረክብዎ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ሰሪሖም እንተኣረኪበሞ በቲ ዝተሓስበሉ መሰረት ዕላምኡ ኣይወቅዕን። በቲ ንሶም ዝሓሰብዎ መንገዲ ከካይድዎ ኣይኽእሉን። ስለዚ በዚ ምኽንያት ክሰማምዑ ኣይካኣሉን።
እቲ 2ይ ፕሮጀክት ድማ ዝተቐመጠሉ ባጀት የለን። ናብ መንግስቲ ናይቲ ክልል ተመላሊሶም 'ውን መፍትሒ ክረኽቡ ኣይካኣሉን። ኣብ ኣኽሶም ቦታ ምረፁ ኢለሞም ድሕሪ ምምራፆም። ናብ ክልል ተመሓላሊፉ እዩ ተባሂሎም። ክሳብ ክልል ከይዶም ብተደጋጋሚ እንተሓተቱ 'ውን መልሲ ክረኽቡ ኣይካኣሉን።

ናይ ዓድዋ ፕሮጀክት 'ውን ተመሳሳሊ ቦታ ብሊዝ ወሲዶም። ዳሓር ናይ ሙስና ነገር ክህልዎ ይኽእል 'ዩ ብዝብል ተንኮል ክነፃርዮ ኢና ብምባል ንሓደ ዓመት ክጓተት ገይረሞ። ዝረኸብሉ ሙስና ግን ኣይነበረን። እንተኾነ እቲ ዝወሰድዎ መሬት ናይ ህዝቢ'ዩ ዝሰርሕዎ ፕሮጀክት 'ውን ንህዝቢ'ዩ። ብነፃ ክዋሃቦም ይግባእ ከም ዝነበረ እምነት ኣይተ ዳዊት'ዩ።

እንተኾነ ግን መራሕቲ ህወሓት እዚ ኹሉ በደል ክፍፅሙ ከለዉ ነቲ ቦታ ብሙስና ስለ ዝጠርጠርዎ ኣይነበረን። እቲ ስራሕ ከይሰልጥ ኮነይ ኢሎም ዝፈጠርዎ ዕንቅፋት እዩ ነይሩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ድማ ኣይተ ዳዊት ተናዲዶም ነቲ ስራሕ ጠጠው ንኸብልዎ ዝዓለመ ተልእኾ እዩ ነይርዎ። መራሕቲ ህወሓት እቲ ስራሕ ንኽታዓናቐፍ ዝኣኽሎም ሰሪሖም እዮም።

ንሰለስተ ዓመት ዝተኸፍለ ሊስ መሊሰሞ። ገንዘቦም ግን ንኣቶ ዳዊት ኣይመለስሎምን። በቲ በለ በቲ ግን ኣቶ ዳዊት ካድረታት ህወሓት ብዝደልይዎ መንገዲ ኣይከይድን ንህዝቢን ሃገርን ብዘርብሕ መንገዲ እየ ዝኸይድ ብምባል ክሳብ ሕዚ ኣብ ክርክር እዮም ዘለዉ።

ኣቶ ዳዊት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሪዞርትን ካልኦት ስራሕትን እናተንቀሳቐሱ ዘለዉ ኢቨስተር እዮም። ኣብ ክልል ትግራይ ምስ መፁ ኸ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝኸፈአ ፀገም ተዓዚቦም ዶ ይኾኑ ዝብል 'ውን ብጋዜጣ ሪፖርተር ሕታም 1596 ሕቶ ቀሪብሎም ነይሩ። ንሶም እንትምልሱ ድማ።- 
ብመሰረቱ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብቲ ቦታ ንምንታይ ከም ዝተቐመጡ ዝፈልጡ መሲሉ ኣይስማዓንን። ንሶም ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲ እምበር ናይ ህዝቢ ተገልገልቲ ዘይምዃኖም ክፈልጡ ይግበኦም ነይሩ። ኣብቲ ናይ ስልጣን ቦታ ክቕመጡ ከለዉ ነቲ ክልል ብኢኮኖሚ ንምልማዕ እዩ።

ልምዓት ንምምፃእ ድማ ከም ኣቶ ዳዊት ዝኣመሰሉ ኢንቨስተራት ደልዮም ለሚኖም 'ውን እንተኾነ ናብ ሃገር ውሽጢ ከእትዉ ነይርዎም። እንተኾነ ግን ኣይኮነን ንትርፊ ተባሂሉ ዝተሓስበ ኢንቨስትመንት እዚ ኣቶ ዳዊት ንሃገሮም ክልግስዎ ዝሓሰቡ ናይ ግብረሰናይ ተግባር ንምቕባል 'ውን ድሌት የብሎምን። እዚ ድማ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ድኽመት እዩ።

ህወሓት ባዕሉ ዝሰርሖ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝሰርሖ ፅቡቕ ነገር ክርኢ ኣይደልን። ንሶም ዘይሰርሕዎ ትሰርሕ እንተኾይንካ ዝበለፅካዮም ስለ ዝመስሎም መስርሒ ባይታ ይኹን ፍቓድ ኣይህቡኻን ክኽልክሉኻ እዮም ዝመርፁ። ብሓፂሩ ንሶም ክሰርሕዎ ዘይካኣሉ ንህዝቢ ዝጠቅም ስራሕ እንተሰሪሕኻ ንዐዖም ፀርፊ መሲሉ ስለ ዝስመዖም ተገልቢጦም ከም ፀላኢ እዮም ዝቖፅሩኻ።







ብኢንቨስተር አቶ ዳዊት ገብረ እግዚአብሔር