ቢቢሲ ብማእኸላይን ብሓፂርን ማዕበል ናይ ትግርኛን
ኣምሓርኛን ቋንቋ ፈነወ ሬድዮ ናብ ኢትዮጵያ ንምጅማር ትልሚ ድሕሪ ምዉፅኡ ብዙሓት ኢትዮጵያዉያን ካብ ኣምሓርኛን ትግርኛን ቋንቋታት ብተወሳኺ ናይ ኦሮሚኛ ፕሮግራም ፈነወ ንኽጅምር ሰፊሕ
ሕቶ ምስ ቀረበሉ፣ እቲ ናይ ዓለምና ዓብዪ ማእኸል ትካል ሓበሬታ ሕቶ ህዝቢ ቅቡል ምግባሩ ምንጭታት ኣፍሊጦም።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ በዚ ትካል
ሚድያ ሓዱሽ ናይ ቋንቋ ፈነወ ንምጅማር ፊርማ ምትእኽኻ ከም ሓደ መሳርሒ ስለ ዝጥቀመሉ። ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ኣብ ሬድዮኡ
ንምፍናዉ ድምፂ ኢትዮጵያዉያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣተኣኻኺቡ ኣቐዲሙ ዝወደአ ኮይኑ። ብቋንቋ ኦሮሚኛ ንምጅማር ድማ ኣብ ማሕበረ
ድሕረ-ገፅ ሬድዮ ቢቢሲ ኦሮምኛ ቋንቋ ዝብል ከፊቱ ፊርማ ኣብ ምትእኽኻብ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።