ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ህዝብታት ንምክፍፋል ብሄረሰብ ቅማንት ፍሉይ ዞባ ጌሩ ከቐምጥ እናሰርሐ
ከም ዝርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ብሄረሰብ ቅማንት ንኽፃላእን ንኽፈላለን እናሰርሐ ዝፀንሐ እንትኾን ኣብዚ
ሕዚ እዋን ድማ ብዝጥቀሞ ዘሎ ሽርሒ ኣብ ከቢድ ግጭት ሸሚምዎም ከም ዝርከብ ተገሊፁ።
እቲ
ስርዓት ተወለድቲ ቅማንት ባዕሉ እናቐተለ ተወለድቲ ኣምሓራ እዮም ቀቲሎሞም እናበለ ወገናትና ባዕሎም ንባዕሎም ክቃተሉ ይገብር
ኣብ ዘለሉ እዋን። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ልኡዃቱ ኣዋፊሩ ብሕቡእ ንዝቐተሎም ተወለድቲ ቅማንት ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣስከሬኖም ኣኪቡ
ንመፃልኢ ንፕሮፖጋንዳ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብዚ
ሰሙን እዚ ህዝቢ ኣምሓራ ንምክፍፋል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ነቲ ከባቢ ናይ ኲናት መንደር ገይርዎ ከም ዘሎን፣ ብሰንኪ እቲ
ዝካየድ ዘሎ ግጨት ድማ ዉሕስነት ዝሰኣኑ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝነብርሉ ቦታ ለቒቖም ናብ ከተማ ጎንደር እናተጉዓዙ ኣብ መንገዲ
ይንጠባጠቡ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ:።