መራሕቲ
ኢህወዴግ መሰረተ ልምዓት ዝብል ቋንቋ ጉልባብ ተጠቒሞም ረብሓ ህዝቢ መሰረት ዘይገበረ፣ ጥቕሚ ዜጋታት ዝዳፋእ፣ ንዕድመ ስልጣኖም
ዘናውሑ በብእዋኑ ብሰንኪ ዘውፅእዎ ንህዝቢ ዘይዉክል ኣዋጃት ስዒቡ፣ ዜጋታት ረብሓታቶም ንምክልኻል ናይ መሰል ሕቶ ሒዞም ሰልፊ
ክወፁን፣ ኢህወደጋውያን ድማ ካብ ሕሉፋት ስርዓታት ብዝኸፈአ መልክዑ ብዓረር ጥይት ክጭፍጭፍዎን። ርብዒ ዘበን ኣቑፂሩ’ሎ።
ብሰንኪ
እዚ እኩይተግባር እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ከቢድ ዝባሃል ገንዘባውን ንዋታውን ክሳራታት ከም ዘለዎ ኮይኑ፣ ናይ ብርክት
ዝበሉ ንፁሃት ወገናት ህይወት ኣብ ጎደናታት እዛ ሃገር ተቐዚፉ’ዩ።
ኣብ'ዚ
ቅንያት እዚ ድማ ገዛኢ ስርዓት ቅድም ኢሉ ኣውፅይዎ ዝፀንሐ ናይ ከተማታት ማስተር ፕላን ኣዋጅ ምስ ህዝቢ ኣቐዲሙ ከይተዘራረበ
ብቅፅበታዊ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ፊንፊኔን ኣብ ገለ ገለ ከተማታት ኦሮምያን፣ ብዘይ ዝኾነ መረዳእታን ግንዛበን ክትግብሮ ምብጋሱ
ስዒቡ ኣብ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ፤ ኣብ ከተማታት ለቀምቲ፤ ኣዳማ፤ ኣሰላ፤ ከተማ ኣምቦ፤ ዩንቨርስቲ ኣምቦ፤ ግንቢን ካልኦት
ከተማታትን ነቲ ሕጋዉነትን ህዝባዊ ደገፍን ዘይብሉ ረብሓ ህዝቢ ዘየረጋግፅ ማስተር ፕላን ብምቅዋም ሰልፊ ወፅዮም እዮም።
ነዚ
ኣንፃር ረብሓታት ህዝቢ ዝቐነዐ ምንቅስቓስ ጠጠው ንምባል ንዝተላዕለ ናዕቢ ንምጉዕፃፅ ሓይልታት ፀፅታ ናይ'ቲ ስርዓት ኣብ ዝወሰድዎ
ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ንፁሃት ተምሃሮ ዩኒቨርሲትን ሰላምዊ ህዝብን ብዓረር ተቐቲሎም ካልኦት ብዙሓት ድማ ግዳይ መቑሰልትን ማእሰርትን
ኮይኖም ኣለዉ ነዚ ተግባር እዚ ድማ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣጥቢቑ ይኹንኖ።
ዝኸበርካ
ህዝቢ ኢትዮጵያ እዚ ኩነታት መዕለቢ ስለ ዘይተገበረሉ፣ እቲ ኣንፃር ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተላዕለ ሰፊሕ ተቓውሞ፣ ካብ ተውለድቲ ክልል
ኦሮምያ ሓሊፉ ልዕሊ ቁፅፅር ናይቲ ስርዓት እናኾነ፣ ናብ ካልኦት ክልላትን ከተማታትን ክስፋሕፋሕ ክኢሉ ‘ሎ።
እዚ
ከምዚ ዓይነት ርኢቶን ስምዒትን ህዝቢ ማእኸል ዘይገበረ ኣካይዳ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰፊሑ ዝስራሓሉ ዘሎ እኳ
እንተኾነ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣፍ ኣውፂኡ ብሓደ ኮይኑ ፀገሙ ንከይዛረብን ከይቃወምን ከይውደብን ብፍሉይ ልጓም ኣትይዎ ተጨቊኑ ዝነብር
ዘሎ ብምዃኑ ዳኣ እምበር ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ኣሓቱ ህዝብታት ኢትዮጵያ ፍሉይ ረብሓን ጥቕማ ጥቕምን ከም ዘይረክብ ዝፍለጥ
ኮይኑ በዚ መልክዕ ድማ ስርዓት ኢህወዴግ ንህዝቢ ትግራይ ዝዉክል ከም ዘይኮነ ምርዳእ የድሊ።
እዚ
ዓፊንካ ዘይዕፈን ስምዒት ህዝቢ ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ነቲጉ ዘላቒ ፍታሕ ከም ዘምፅእ ንማንም ግልፂ ክኾን ይግባእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን
ሃገርን ኣንፀላልዩ ዘሎ ዓፈና ዝወለዶ ሓደጋታት ዕንወት ጠጠዉ ክብል እንተኾይኑ ድማ፣ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ፀጋማት ዝኾነ ሓላፍነት ህዝቢ
ዘይብሉ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ስልጣኑ ምስ ዝእለ ጥራሕ’ዩ።
ዝኸበርካ
ህዝብና፣ ነዚ ሓቂ እዚ ኣሚንካ ለውጢ ደሊኻ ንተካይዶ ዘለኻ ኣንፃር ኢህወዴግ ዝቐነዐ ሰልፊ ሓድነትካ ኣጠናኺርካ ክትቅፅለሉ እናዘኻኸረ፣
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ኣብ ኩሉ ትገብሮ ዓይነት ቃልሲ፣ ኣብ ጎንኻ ኮይኑ ካብኡ ዘድሊ ዘበለ ሓገዝ ከም
ዝገብር የፍልጥ።
እቲ
ብሓደ ታሕሳስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንዋር መስጊድ ናይ ጅምዓ ፀሎት እናገብሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ንፁሃት ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ዜጋታትና
ንዝተፈጠረ ምፍንጃር ቦምብ ዘስዓቦ ከቢድን ፈኪስን ጉድኣት፣ ዉፅኢት ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ
ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ከም'ዚ ዓይነት ዘሕዝን ፍፃመ ንዘይ ምድጋም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣጥቢቑ ይኹንኖ።
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት
ታሕሳስ 2008 ዓ.ም