Friday, December 25, 2015

ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣዛዚ ፖሊስ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀነሐ ኮማንደር ፍታነገስ ስልጣኑ ተጠቒሙ ዝተፈላለየ ግዕዝይና ክፍፅም ድሕሪ ምፅንሑ ብነባሪ ህዝቢ ከም ዝተገምገመ ተገሊፁ።



ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ዓዲ ግራት ኣዛዚ ፖሊስ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኮማንደር ፍታነገስ ዝተብሃለ ፖሊስ፣ ብዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ዘይግብኦ ሃፍቲ ንምኽዕባት ጥረ ገንዘብን ካልእን ጉቦ ዝሃቡዎ ሕግን ኣሰራርሓን ዝጠሓሰ ሓገዝ እንትገብረሎም ነቶም ዉልቃዊ ድሌታቱ ከማልኡ ዘይከኣሉ ተገልገልቲ ድማ ዘየድሊ ዉፃእ ዉረድ ብምፍጣር ከንላብቶም ከም ዝፀንሐ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጥቕማ ጥቕሚ ዘድሃበ ክፍፅሞ ዝፀነሐ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ካብ ዓይኒን ትዕዝብትን ህዝቢ ዝተሰወረ ብዘይ ምንባሩ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ንፁር ዝኾነ ነቓፊ ሓሳብ ብምቕራብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።