ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ጎንደር "ጎሃ ሆቴል" ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ርእሰ
ምምሕዳር ገዱ እንዳርጋቸዉ ህዝቢ ጎንደር ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ኣልዒልዎ ዘሎ ዓመፅ ብቕልጡፍ ዘየቛርፆ እንተኾይኑ። ናይ'ቲ
ክልል ፍሉይ ሓይልን ፌደራል ፖሊስን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምዉፋር ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ናይ ምፍርራሕ ዘረባ
ከም ዘስምዐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብካልእ ድማ ኣባይ ፀሃየ ደመቀ መኮነንን ናይ'ቲ ክልል ምክትል ምምሕዳር ዝኾነ ኣምባቸዉን ናብ መተማን
ሽህዲን ብምኻድ ከምኡ'ዉን በረኸት ስምኦንን ገዱ ኣንዳርጋቸዉን
ናይ'ቲ ክልል ፖሊስ ኮምሽነር ሙሉጌታ ወርቁን ናይቲ ክልል ኣዛዚ ፍሉይ ሓይልን ናብ ኣርማጭሆ ብምቕናዕ። ኩሎም በቢ ዝተዋፈርዎ
ቦታታት ንህዝቢ እቲ ከባቢ ኣኪቦም በቲ ሓደ ገፅ ናይ ምፍርራሕ ተግባር እንትፍፅሙ በቲ ኻልእ ድማ ካብ ክሳድን ንላዕሊ ንህዝቢ
ይምሕፅንዎ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።