Sunday, November 25, 2012

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ዝርከብ ናይ መበል 31 ክ/ሰራዊት ክለብ ተሓዝ ገንዘብ ልዕሊ 200,000 ብር ሒዙ ከም ዝተሰወረ ተፈሊጡ፣




ኣብ ዉሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ብዘሎ ግዕዙይ ኣሰራርሓን ከምኡ እዉን እቲ ስርዓት ብህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ተነፅሎን ተደሚሩ ዝካየድ ዘሎ ንለዉጢ ዝዓለመ ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ብምግንዛብ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት በብግዚኡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝተፋላለየ ኣንፈት ከም ዝጠፍኡ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ናይ መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ክለብ ተሓዚ ገንዘብ ዝኾነ ወተሃደር ዋኪኔ ባሳዝን  ኣብ ኢዱ ሕዝዎ ዝነበረ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ሒዙ ካብ’ቲ ክፍለ ሰራዊት ከም ዝጠፋአ ካብቲ ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዉሽጢ ወተሃደራት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ሓድነት ጠፊኡ ኣድልዎን ዓሌትነትን ብምንጋሱ ዝፈጠሮ ዓቕሊ ፅበት። ርእሰ ቅትለታዊ ተግባር ከም ዝፈፀሙ  ናብ ዝተፋላለየ ኣንፈት ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ገሊፅና ምንባርና ይዝከር፣