Sunday, November 25, 2012

መራሕቲ ወያነ ኢህወዴግ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መርዛም ዝኾነ ዓሌታዊ ኣፈላልይ ፈጢሮም ኣብ ቀፃሊ ምስ ሕሓብን ግጭትን ፀሚደሞም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣






እቲ ኣብ  ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርአ ዘሎ ዓሌታዊ  ግጭት ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ እናተበኣኣሰ ከም ዝኸይድን ኢሉው’ን ካብ’ቲ ቀፅሪ ዩኒቨርስቲ ሓሊፉ ባእሲ ከውላዕ ግዱሳት ሙሁራት ሪኢቶኦም ይህቡ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፣
  ብተወሳኺ እቶም ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ብኢህወዴግ ቀዳማይ ሚኒስተር ተባሂሉ ዝተሰየመ ሃይለማርያም ደሳለኝ ከም ሓደ መራሒ ሃገር ከም ዘይኣምንሉ ምዝራቦም ተፈሊጡ፣
 እዚ ከምዚ እሉ እንከሎ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ መንእሰያት ብሽም ስውኣት እኒ በዓል ሙሴን ፀሃየን ሓዱሽ ፊልሚ ብምስራሕ። ነቲ ደላይ ለውጢ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ንምስባኽን ብኡ ኣቢሎም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ። ሕድሮም ተቐበሉ እናበሉ ድሕሪ 21 ዓመት ክሽቕጡ ምፍታኖም ዘሕዝዝን’ዩ ክብሉ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘልዎም ወገናት ኣረዲኦም፣