ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ
ሕገ መንግስቲ ካብ ዝብሎ ወፃኢ ብዝኽተሎ ዘሎ ፀረ ህዝብን ሃገርን ኣካይዳ ኣብ ዉሽጥን ወፃእን ብዝነብር ህዝቢ ብዘጋጥሞ ዘሎ ሰፊሕ
ተቓውሞ ብፍላይ ድማ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ብጀካ ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ዉሕዳት ሰብ ረብሓ ቤተሰቦምን ካደረታቶምን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዝተፈኦ ነቲ ዘጋጠሞ ተቓውሞን ተንፅሎን ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ሰራዊት
ምክልኻል ናብ ክልላት ትግራይ፤ ዓፋር፤ ኣምሓራ (ከባብታት መተማን ጎንደርን) ካልኦት ነቲ ስርዓት ኣስጋእቲ ናብ ዝተበሃላ ከባብታትን
ብበዝሒ ሰራዊት ኣዕለቕሊቐን ከም ዘለዋ ምንጭታትና ካብቶም ቦታታት ሓቢሮም፣
እቲ ስራዊት
መብዛሕትኡ ተዋፊርሉ ዘሎ ኣብ ከተማታትን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝነብረለን ገጠራትን ምስ ኣፅዋሮም ብዘገብርዎ ዘለዉ ልዑል ምንቅስቓስ
ዝሰገአ ሰላማዊ ህዝቢ እተን ከባቢታት። ብፍርሕን ራዕድን ተዋሒጡ ዕለታዊ ስራሕቱ ከይሳልጥ ኣብ ዓብዪ ጪንቂ ስለ ዘሎ። ብእዋኑ
ገዝኡ ክኣቱን ኣርፊዱ ክወፅእን ስለ ዝተገደደ ማሕበራዊ ሂወቱ ንምምራሕ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣
ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሎጒያ ኣብ ሃና ዝተበሃለ ሆቴል ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻልን ፌደራል ፖሊስን እቲ
ስርዓት ስቪል ክዳን ተኸዲኖም ዕፅዉ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ። እዚ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ሰራዊት ናብ ማእኸል
ህዝቢ ምዉፋር ናሃቱ መቐፀልታ ምዃኑ ይግመት፣