Friday, February 1, 2013

ሰበስልጣን ወያነ ኢህወዴግ ድኻ ሓረስታይ ሃገርና ብምፍንቓል ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት እናመንጠሉ ንኢንቨስተራት ምሃብ። ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕፅልሉ ከም ዘለዉ ካብ ዞባ ኣዊ ዝተረኸበ ሐበሬታ የመልክት፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብ ዝለዓሉ ክሳብ ተራ ካደረታትን ምምሕዳርን ስርዓት ወያነ።ኣየሁ ሕርሻ ልምዓትንዝተበሃለ ትካል ሽኽ ኣላሙዲ ዝተመረፀ ናይ ሕርሻ መሬት ንምሃብ። ኣብ ዞባ ኣዊ ንልዕሊ 60 ዓመት ክነብሩ ዝፀንሑ ሓረስቶት ካብ መረበቶም ብሓይሊ ንምፍንቓል ኣብ ምፍራስ ገዛውቲ ተፀሚዶም ከም ዘለዉ ወገናት ብምረት ንምንጭታትና ገሊፆም፣

ነበርቲ ዞባ ኣዊ ሰማዒ ዝረኽቡ መሲልዎም ፈለማ ንኣማሓዳሪ ዞባ ኣዊ ኣዘዞዉ ንዝተበሃለ ከይዶም ፀገሞም ኣብ ዘስምዕሉ። ፀገዒ ሰብ ሃፍቲ ብምዃን ግዜ ከየወሰድኩም ብዝተበሃለኩም መሰረት ገዛውትኹም ኣፍርሱ ኢሉ ምስ ተዛረቦም። ብወኪላቶም ኣቢሎም ክሳብ ፌዴራል መንግስቲ ብምዃድ ጥርዓን እኳ እንተቕረቡ ፍታሕ ብዘይምርካቦም። ኩሉ ወዮ ኮይንዎም ተስፋ ብምቑራፅ። ህዝባዊ መንግስቲ ዘይኮነላ ሃገር እናበሉ ናብ ቦትኦም ከም ዝተመለሱ ተፈሊጡ፣

እዚ ብሽም ኢንቨስትመንት ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ንምርካብ ተባሂሉ። ሓረስቶት ሃገርና ካብ መረበቶም እናፈናቐልካ ንድኽነት፤ ሕማምን ሞትን ምቅላዕ። ኣብ ዘመነ ስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ልሙድ ተግባር ኮይኑ። እዚ ሐዚ ዝፍፀም ዘሎ ድማ መቐፀልታ ሕሉፍ ኣምባገነን ኣካይድኡ ምዃኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናተገለፀ ይርከብ፣